ኢራን ንተቓወምቲ የመን ኣብ ኤርትራ ከምእተሰልጥኖም መርትዖ ረኺበ ክትብል ጋዜጣ ኣልወጠን ንዘቕረበቶ ዜና፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ካብ ሪያድ ሓሶት’ዩ ክብል ነጺግዎ

Radio Erena: December 23, 2013

 

ጋዜጣ ኣልወጠን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን ዕጡቓት ሁቲ ናይ የመን ኣብ ኤርትራ ከምእተሰልጥኖም ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምቕራባ፣ ኣብ ሪያድ ዝመደበሩ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ሓሶት’ዩ ክብል ናይ ተቓውሞ ግብረ መልሲ ከምዘስምዐ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ዑመር ማሕሙድ ናብታ ገዛጣ ኣብ ዝልኣኾ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ፣ ህላወ ኢራንን ተቓወምቲ ሁቱን ኣብ ኤርትራ ሕእሶት ምዃኑ ብምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባ እብ ምርግጋእ ከምዝሰርሕ ከረድእ ፈትኑ።

 

እንተኾነ ጋዜጣ ኣልወጠን ደጊማ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ኢራን ንኣመንቲ ሽዓ ዝኾኑ ዕጡቓት ተቓወምቲ የመን እትሰልጥነሉ ሰለስተ ነቑጣታት ኣብ ኤርትራ ተለልዩ ከምዘሎ መርትዖ ከምዝረኸበት’ያ ትጠቕስ።

ኢራን፣ ንተቓወምቲ የመን ከምእትድግፍ የመን’ውን ብተደጋጋሚ ክትወቕስ እኳ እንተጸንሐት፣ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት ኣልወጠን፣ ነዚ ክሲ እዚ ከተቐርብ ግና ናይ መጀመርያ’ዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኢራን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ዝርከብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብዛዕባ እዚ፣ ኤርትራ፣ ተቓወምቲ የመንን ኢራንን ኣተኣሳሲሩ ዝገለጽ ብኣልወጠን ዝተዘርግሐ ዜና ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበሉን።

ጋዜጣ ኣልወጠን፣ ኢራን ንተቓወምቲ ሁቲ ናይ የመን እተሰልጥነሉ፣ በርዓሶለን ጢዖን ዝርከቡ ሰለስተ ቦታታት ናይ ኤርትራ ተለልዩ ከምዘሎ መርትዖ ከምዝረኸበት እኳ እንተገለጸት፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣቶ መሓመድ ዑመር ማሕሙድ ግና ሓሶት’ዩ ክብል ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0