ኢራን፣ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ስሒባ

ኢራን፣ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ስሒባ

Radio Erena: 19 March 2019

ኢራን፣ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ካብ ቴህራን ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ ባህራም ቓስም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢራን ኣብ ኬንያ ንዝነበረ ኣምባሳደራ ዝሰሓበትሉ ምኽንያት፣ ብሽበራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኢራናውያን ናጻ ክወጹ ንዝጸንሐ ትጽቢት፣ ብዓርቢ 15 መጋቢት ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ ኬንያ ውሳኔ ከይሃበሉ ድሕሪ ምሕላፉ’ዩ።

ኣሕመድ ዓብደለጢፍን ሰይድ መንሱርን ዝተባህለ ክልተ ኢራናውያን፣ ኣብ 2012፣ ኣብ ኬንያ 15 ክክክኪሎ ዝምዘን ነታጕ ሒዞም ከምዝተረኽቡ ይዝከር።

እቶም ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምዃኖም ዝተገልጸ ክልተ ኢራናውያን፣ ብንጹር ኣብ ዘይተገልጸት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር መጥቃዕቲ ንምክያድ መደብ ከምዝነበሮም’ዩ ተሓቢሩ።

ንሳቶም ንሕልፈት ክእሰሩ እኳ እንተተበየነሎም፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ 2016 ኣብ ዝሃቦ ዳግማይ ውሳኔ ማእሰሮም ናብ 15 ዓመታት ጎዲሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ መጋብኣያ፣ ነቶም ኢራናውያን ብምሕረት ናብ ዓዶም ከፋንዎም መንግስቲ ኢራን ትጽቢት እኳ እንተነበሮ፣ ዝኾነ ውሳኔ ከይሃበ ብምሕላፉ’ያ፣

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0