ኢራን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሰለስተ ናይ ኲናት መራኽብ ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 01 March 2022

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ናይ ስለያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተዋፍር ምዃና ድሕሪ ዘውጻቶ መግለጺ፣ ኢራን እውን ተመሳሳሊ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።
ኢራናዊ ኮማንደር ሻህራም ኢራኒ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሰለስተ ናይ ኲናት መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕሪን ክንቀሳቐሳ ምዃነን ኣፍሊጡ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ምስ ወነንቲ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ዝርዝር ኣስማት ናይተን ሃገራት ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።
እዘን ‘ደና፣ ባንዳር፣ ቱንብ’ ዝተባህላ ሰለስተ ናይ ኲናት መራኽብ፣ ኣብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኢራን ንእተካይዶ ናይ ነዳዲ ምጉዕዓዝ ኣብ ምሕላው ከምዝዋፈራ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እዚ ናይ ኢራን ናይ ስለያን ኮለላን መደብ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ፣ ኣብ ባሕሬን ካብ ዝርከብ መዓስከራ፣ ተመሳሳሊ ናይ ስለያ ስራሕ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተካዪድ መዲባ ዘላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ንምዃኑ ዝተገልጸ የለን።
ኢራን ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢላ ንሓይልታት ሑቲ ትድግፍ ኣላ ዝብል ወቐሳሳት ብተደጋጋሚ ዝስማዕ እዩ።

=============

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0