ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን እትልእከን ዘላ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ካብ ዩክሬን ብክራይ ዝመጻ ምዃነን ተገሊጹ

Radio Erena: 23 April 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን እትልእከን ዘላ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ካብ መንገዲ ኣየር ዩክሬን ብክራይ ዝመጻ ምዃነን ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ንወትሃደራዊ ምንጭታቱ ብምውካስ ገሊጹ።

እተን Zetavia Zetavia Il-76TD ዝዓይነተን ገዘፍቲ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተለገሰ ናውቲ ሕክምና ናብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ክመላልሳ ከምዝቐነያ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ሓንቲ ካብዘን ነፈርቲ ብ15 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓለበት ድማ ኣረጋጊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን እቲ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተለገሰ ሓገዝ ከምዝበጽሐን ከቃልሓ እንከለዋ ካብ ወገን ኤርትራ ግና ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ንወደባትን መዓርፎ ነፈርቲን ኤርትራ ንወትሃደራዊ መዓላታት እትግልገለሉ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይካ’ቲ ናብ የመን ዝቐንዐ ስርሒታት፣ ናብ ሊብያ፣ ጀነራል ሓፍታር፣ እትልእኮ ድጋፍ’ውን ከም መሰጋገሪት ትጥቀመላ ከምዘላ ይግለጽ።

ኣምሳያ ናይዚ እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ፊንናንስያዊን ካልእን ሓገዛት ትምጥወሉ ምህላዋ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ዝሕግዝ ናውቲ፣ ብመንገዲ እዘን ካብ ዩክሬን ብኽራይ ዘምጻተን ነፈርቲ ናብ ኣስመራ ከምዝልኣኸት ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዝለገሶ ሓገዝ ናብ ኤርትራ ከምዘይበጽሐ ዝተሓበረ ቻይናዊ በዓል ጸጋ፣ ጃክ ማ፣ ንሳልሳይ እዋኑ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ሓገዝ ምብርካቱ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0