ኢህወደግ፣ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገሊጹ

ኢህወደግ፣ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገሊጹ

Radio Erena: 05 June 2018

Issias and Meles

ፈጻሚት ሽማግለ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ኢህወደግ፣ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ክኸውን ምውሳና ኣገልግሎት ቴሌቪዥንን ሬድዮን ኢትዮጵያ ሎሚ 5 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኢህወደግ ናብዚ ውሳኔ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ምእንት ሰላምን ምዕባለን ክልቲኡ ህዝብታት ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ፣ ካብታ ቀንዲ መሰሓሓቢት ኮይና ዝጸንሐት ናይ ኤርትራ ምዃና ብኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነት ባድመን ካልእ ከባቢታትን ክስሕብ ምዃኑ ኣየነጸረን።

ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ፣ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2002 ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና እኳ እንተወሰነ፣ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተነጸረ ባድመን ካልእ ከባቢታትን ንኽትስሕብ፣ ዘተ ከም ቅድመ ኩነት’ያ ከተቕርቦ ጸኒሓ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ዘተ ክካየድን ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስን፣ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ብዘይቅድመ ኩነት ከተተግብር ክጽውዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ፈጻሚት ሽማግለ ኢህወደግ፣ ንስምምዕ ኣልጀስርን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ምዃኑ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ይግበር።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናብ ኩናት ዘእተወን ምኽንያት ብቀንዱ ጉዳይ ዶብን ዋንነት ባድመን ጥራይ ስለዘይነበረ፣ ኢትይጵያ ሰራዊታ ካብቲ ከባቢታት እንተስሒባ’ውን ናይ ሰላም ጎደና እዘን ክልተ ሃገራት ርሑቕ ምህላው’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ዝህብሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0