ኡጋንዳ ካብ ሱዳን ንዝቐረበላ ክሲ ነጺጋቶ

መንግስቲ ኡጋንዳ ንኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንምዕላው ይሰርሕ ኣሎ ክብል ብካርቱም ንዝቐረበ ክሲ ኡጋንዳ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ።

    ኣፈኛ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን ኣሕመድ ኢብራህም ኣል ጣህር ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኡጋንዳ ንተቓወምቲ ሱዳን ብምስልጣን ንመንግስቲ ሱዳን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ይሰርሕ ኣሎ ክብል’ዩ ከሲሱ።
    
    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፣ ኡጋንዳ ንኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝኾነ ዕላማ ከምዘይብላን፣ ሱዳን እተቕርቦ ዘላ ክሲ ባዕላዊ ትንታነታት ምዃኑን ኣስሚርሉ።

    ተቓወምቲ ሱዳን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካምፓላ ስምምዕ ብምክያድ ልፍንታዊ ግንባር ድሕሪ ምቛሞም’ውን መንግስቲ ሱዳን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ማሕበራት እዚ ዞባን ወግዓዊ ክሲ ከምዘቕረበ ኣይርሳዕን።

    እቲ ብዕጡቓት ዳርፉንርን ካልኦት ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝንቀሳቐሱን ጉጅለታትን ዝቖመ ልፍንታዊ ተቓዋሚ ሓይሊ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ካምፓላ ስምምዕ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን እናተባህለ ይጽዋዕ ምህላው ይፍለጥ።
ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ካብ ዝቐውም ድሮ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ሓያሎ መጠቓዕታት ከምዘካየደ ይንገረሉ።

    ኡጋንዳ ንተቓወምቲ ሱዳን ከምትሕብሕብ ክጥቐስ እንከሎ፣ መንግስቲ ኣልበሽር ድማ ነቲ ብLords Resistance Army- LRA ዝፍለጥ ተቓዋሚ ጉጅለ ኡጋንዳ ከምዝድግፍ ብሰፊሑ ይንገረሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0