ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊታ ክትስሕብ ጀሚራ

ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊታ ክትስሕብ ጀሚራ

Radio Erena : 14 October 2015

Uga

ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ሰራዊታ ከተውጽእ ጀሚራ።

እታ ሃገር ኣብ መንጎ መንግስቲ ጁባን ተቓወምቱን ናዕቢ ድሕሪ ምኽሳቱ፣ ንፕረዚደንት ሳልቫኪር ንምሕጋዝ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊታ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝልኣኸት ይዝከር።

ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ኡጋንዳ ሰራዊታ ክትስሕ ምዃና እኳ እንተገለጸት፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ከየውዓለቶ’ያ ጸኒሓ።

ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ኡጋንዳ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ብፕረዚደንት ሳልቫኪርን ተቓዋንሚኡ ሬክ ማሻራን ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ትጽቢት ኣሎ።

 

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኡጋንዳ ጀነራል ኤድዋርድ ካቱምባ ዋማላ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ኣስታት 3 ሽሕ ሰራዊት ኡጋንዳ ክስሕብ ዝተኣዘዘሉ ምኽንያት ድሕሪ’ቲ ናይ ወርሒ ነሓሰ ስምምዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ንሓያሎ እዋርሕ ዘይተኸፍሎ ደሞዝ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ስለዘጠፋፍእዎ ምዃኑ ይንገር ኣሎ።

እቲ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ተጠፋፊኡ ዝብሃል ዘሎ ደሞዝ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ምጽራይ ክግበረሉ ክጅምር’ዩ።

ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ገጢሙዋ ዘሎ ሃገር ናይ ምዃን ብድሆታት፣ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ጎሊሑ’ዩ ዝርአ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0