ኡጋንዳ፣ ዳሜራ – መስቀል ዘብዕሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ባርዕ ኣጋጢምዎም

ኡጋንዳ፣ ዳሜራ – መስቀል ዘብዕሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ባርዕ ኣጋጢምዎም

Radio Erena: 27 September 2018

Damera

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብምኽንያት በዓል መስቀል፣ ሎሚ 27 መስከረም፣ ኣብ ዝወልዕዎ ዳሜራ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብዝሒ ናይቶም በቲ ባርዕ ዝተጎድኡ ኤርትራውያንን ዘለውዎ ኩነታትን ገና ኣይተነጸረን።

እቲ ባርዕ፣ ንዳሜራ ኣብ ልዕሊ ዝተተኽለ ኣዕጻው፣ ነዳዲ ንምስንሳ ዝተዳለወ ጀሪካናት ሓዊ ድሕሪ ምስሓቡ ከምዘጋጠመ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

ይኹን’ምበር፣ ጠንቂ’ቲ ባርዕ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0