ኡጋንዳ፣ ካብ ውሸባ ክሃድሙ ዝፈተኑ 6 ቻይናውያን ተቐይዶም

Radio Erena: 25 March 2020

ሃገራት ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ዶባተን ይዓጽዋን ናይ ውሸባ ግዜ ይእውጃን’ የን ዘለዋ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድሕሪ ዝኣወጆ ናይ ውሸባ ግዜ፣ ካብታ ሃገር ኣምሊጦም ናብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ክኣትዉ ዝፈተኑ ሽዱሽተ ቻይናውያን ኣብ ዶብ ከምዝተታሕዙ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

እቶም ዶብ ክሰግሩ ዝታትሕዙ ቻይናውያን ክልተ ኡጋንዳውያን ተሓባበሮምን፣ ንሃገር ንተላባዒ ሕማም ዘቃልዕ ስጉምቲ ብምውሳድ ተኸሲሶም።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ ንሕጊ ውሸባ ኡጋንዳ ብምጥሓስ፣ 20 ዜጋታት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ዝፈቐደ መኮነን ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከን ዜና ሞኒተር ሓቢሩ።

እቲ ኣባል ፖሊስ ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ናይ እትርከብ ዞባ ካጋዲ ምዃኑ ዝተገልጸ መኮነን ክእሰር እንከሎ፣ እቶም 20 ዜጋታት ኮንጎ ድማ ኣብ ብሕቱው ቦታ ተወሺቦም ይርከቡ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0