ኡጋንዳ፣ ኣብ ምርጫ ተሳዒረ ኢሉ ናብ ህዝቢ ዝተኮሰ ሚኒስተር ተኣሲሩ

Radio Erena: 07 September 2020

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ምርጫ ስለዝተሳዕረ ተቖጢዑ ናብ ህዝቢ ዝተኮሰ ሚኒስተር ዴታ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንፖሊስ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ዘ ሞኒተር ካብ ካምፓላ ሓቢሩ።

እቲ ምወሲግወ ሩኩታና ዝተባህለ ሚኒስተር፣ ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ፣ ዞባ ንቱንጋሞ ኣብ ዝርከብ ሩሃማ ዝተባህለ ከባቢ፣ ንኣባልነት ባይቶ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ብመቐናቕንቱ ድሕሪ ምስዓሩ፣ ካብ ሓደ ዓጀብቱ ጠበንጃ ብምምንዛዕ’ዩ ተኣኪቡ ናብ ዝነበረ ህዝቢ ተዅሲ ከፊቱ።

በቲ ተዅሲ ሓደ ብጽኑዕ ክቖስል እንከሎ፣ ብውሕዱ ክልተ ድማ ፈኵስ ጉድኣት በጺሕዎም።

ድሕሪ’ቲ ብ4 መስከረም ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ፖሊስ ነቲ ሚኒስተር ምስ ሰለስተ ዓጀብቱ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ብፈተነ ቅትለት፣ ገበናዊ ክሲ መስሪትሎም ኣሎ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0