ኡጋንዳ፣ ንተሞክሮ ኤርትራን እስራኤልን ብምጥቃስ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምትእትታው መደበ ከምዘለዋ ተገሊጹ

ኡጋንዳ፣ ንተሞክሮ ኤርትራን እስራኤልን ብምጥቃስ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምትእትታው መደበ ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 February 2015

UganMil

ሃገራዊ ውጥን ኡጋንዳ፣ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምትእትታው መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኡጋንዳ ዝመሓደር ሃገራዊ ውጥን፣ ንተሞክሮታት ኤርትራን እስራኤልን ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ ተማሃሮ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛም፣ ሞያዊ ስልጠና ናብ ዝረኽቡለን ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲን ቅድሚ ምእታዎም ንትሽዓተ ኣዋርሕ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱን፣ ንሓደ ዓመት ድማ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ክሳተፉን ዝብል መደብ ከምዘለዎ መርበብ ሓበሬታ ኒው ቪዥን ገሊጹ።

 

እዚ መደብ እዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንተኽኢሉ ድማ፣ ኡጋንዳ ብዘይካቲ ዘለዋ ምዱብ ሰራዊት፣ ብዝሒ ዘለዎ ዕቑር ሰራዊት ንምውናን ክትክእል ምዃና ሃገራዊ ሃገራዊ ውጥን ኡጋንዳ ተወሳኺ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ።

እዚ ሃገራዊ ውጥን ኡጋንዳ ንተሞክሮታት ኤርትራን እስራኤልን ብምጥቃስ ኣቕሪብዎ ዘሎ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት መደብ ብባይቶ እታ ሃገር እንተጸዲቑ፣ ግዱድ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ኡጋንዳ ንኤርትራ ስዒባ ካልኣይቲ ክትከውን’ያ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ክጸንሕ ዝወሰኖ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ስግኣት ስለዘይትኣልየ ብዝብል ምስምስ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ጌርዎ ምህላዉን፣ ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ናብ ስደት ከምርሑ ከምዝተገደዱን ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብናጻ ጉልበት ናይ ምምዝማዝን ካልእ ዕድላት መንእሰያት ኣብ ዘባኽን ንጥፈታትንን ከምዝጽመዱ ብምግባሩ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ ይርከብ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0