ኡጋንዳ፣ ታሪኻዊ ዩኒቨርሲቲ ማከረረ ብባርዕ ዓንዩ

Radio Erena: 21 September 2020

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ ዝርከብ፣ ሓደ ካብ ፍሉጣት ዩኒቨርስታት ኣፍሪቃ ዝኾነ፣ ዩኒቨርሲቲ ማከረረ ብባርዕ ዓንዩ።

ጠንቂ’ቲ ትማሊ ሰንበት 20 መስከረም ዘጋጠመ ባርዕ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

እቲ ድሮ ንገለ ክፋል እቲ ዩኒቨርሲቲ ሃሙኹ ዘሎ ባርዕ፣ ናብ ካልእ ክፋል ከይልሕም መጥፋእቲ ሓዊ እታ ከተማ ኣብ ምርብራብ ከምዘሎ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ታሪኻዊ ዩኒቨርሲቲ፣ ከብድ ዕንወት ወሪድዎ እኳ እንተሎ፣ ታሪኽዊ ክብሩ ንምዕቃብ ብዘኽእሎ መልክዕ ክሕደስ ምዃኑ ምክትል ቻንስለር ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ባርናባስ ንዋንግወ ሓቢሩ።

ካብ 1922 ኣትሒዙ ኣገልግልት ክህብ ዝጀመረ ዩኒቨርሲቲ ማከረረ፣ ኣስታት 35 ሽሕ ተማሃሮ ብቀጥታን ብናይ ርሕቀትን ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ’ዩ ጸኒሒዎም።

ኣብዚዝና ካብ ዘለዎም ዩኒቨርስታት ኣፍሪቃ ሓደ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ናይ ማህደረት ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ትምህሮም ብዝግባእ ከምዝዛዘሙ ሰነዳት ናይቲ ዩኒቨርሲቲ የመልክት።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0