ኡጋንዳ፣ መጥቃዕቲ ዝሃንደሱ ጥርጡራት ንምህዳን ኣብ እተካይዶ ዘላ ስርሒታት፣ 7 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 23 November 2021

ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ንዝተኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ንዝሃንደሱ ጥርጡራት ንምህዳን ኣብ እተካይዶ ዘላ ስርሒት፣ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብሰኑይ 21 ሕዳር ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ 106 ጥርጡራት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ካምፓላ፣ ካብ 23 ጥቅምቲ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ሰለስተ መጥቃዕታት፣ ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተባህለ ጉጅለ ከምዝፈጸሞ መንግስቲ ኡጋንዳ ይኸስስ።

እቲ ኪዳን፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣኽራሪ እስላማዊ ጽልዋታት ንምስፍሕፋሕ ምስ ናይ ሶማል ዕጡቓትን ከም ኣልቃዒዳን ዳዒሽን ዝኣመሰሉ ሽበራውያን ጉጅለታት ርክብ ከምዘለዎም እቲ መንግስቲ ይወቕስ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0