ኡጋንዳ፣ ሓሙሽተ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዑቕባ ንምሕታት ሃዲሞም

Radio Erena: 02 October 2019

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ ካብ ተጻወታ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተሰወሩ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ደይሊ ሞኒተር ገሊጻ።

እቶም ኣብ ጂንጃ ካብ ዝርከብ ሆቴል ከምዝተሰወሩ ዝግለጹ ዘለዉ ሓሙሽተ ተጻወቲ ሄርሞን ፍስሃየ ዮሃንስ፣ መዋእል ተስፋይ ዮሴፍ፣ ስምኦን ኣስመላሽ መኮነን፣ ደይበን ግብጻዊ ህንጻኣብን ቀዳማይ ተሰላፊ ሓለው ልዳት ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ግርማይ ሃኒባል’ዮም።

ኣቦ መንበር ኣዳላዊት ኮሚተ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት፣ ኣይማብል ሃሚባና፣ ሓሙሽተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብሰሉስ 01 ጥቅምቲ ካብ ሆቴሎም ከምዝተሰወሩ ብምርግጋጽ ፣ ካልኦት’ውን ኣሰሮም ከይስዕቡ ሓለዋ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣለምሰገድ ተስፋይ፣ ብዛዕባ ህድማ ተጻወቲ ተሓቲቱ ንደይሊ ሞኒተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ ገለ ካብ ተጻወቲ ብሕማም ከምዝተረፉ’ዩ ገሊጹ።

እዞም ተጻወቲ ከምዝተሰወሩ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ምስ ኬንያ ናይ ፍርቂ ፍጻሜ ወሳኒ ግጥም ንምክያድ ኣብ እትቀራረበሉ ዝነበረት እዋን’ዩ።

ብቀጻሊ ዓወታት ክትምርሽ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ ተጻወታ ድሕሪ ምስዋሮም ሎሚ ረቡዕ 02 ጥቅምቲ ምስ ኬንያ ክትገጥም’ያ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፣ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መጻረዩ ግጥም፣ 7 ብ 0 ብምስዓር ሃገራዊ ክብረ ወሰን ዝሓዘት’ያ።

ኣብ 2012፣ 18 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ከምዝተረፉ ይዝከር።

ኣብ 2015 ኣብ ቦስስዋና ድሕሪ ዘጋጠመ ህድማ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ፣ ንኣርባዕተ ዓመታት ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ግጥማት ደው ኢሉ’ዩ ጸኒሑ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0