ን43 ዓመታት ንኤኳቶርያል ጊኒ ዝመርሐ ፕረዚደንት፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ

Radio Erena: 28 November 2022

ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት፣ ንዘነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ንግዌማ ባሳጎ፣ ብሰንበት 20 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ 94.5% ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ከምዝተዓወተ ገሊጹ።

ኣብቲ ልዕሊ 98% ኣድመጽቲ ድምጾም ከምዝሃብሉ ዝተሓበረ ምርጫ፣ 15 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ምስቲ ፕረዚደንት ብምልንፍቲ ብምሕባር ከምዝተወዳደራ ተገሊጹ።

ጽልዋ ዘለዎም ተቓወምቲን ውድባትን ኣብ ዘይብላ፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ዕድምኡ 80 ዓመት መሊኡ ዘሎን ነታ ሃገር ን43 ዓመታት ዝመርሐን፣ ቴዶር ኦብያንግ፣ ኣብቲ ብሃንደበት ዝተኻየደ ምርጫ ክዕወት ምዃኑ ብኣግኡ ተገሚቱ’ዩ።

ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ካብ 1991 ኣትሒዛ ነዳዲ ከተፍሪ ብምጅማራ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር ብሓፈሻዊ እቶታት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምእትስራዕ ጸብጻባት ቁጠባ የመልክት።

ይኹን’ምበር፣ ካብ 1.4 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር፣ እቲ ዝበዝሐ መዓልታዊ እቶቱ ካብ 2 ዶላር ከምዘይሓልፍ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ይጠቕስ።

ሓደ ካብ ጠንቅታት ናይዚ ድማ፣ ብሰበ ስልጣን መንግስቲን መሻርኽቱን ዝፍጸም ብልሽውና፣ ምጥፍፋእን ዝርገትን ሃብቲ ሃገር ምዃኑ ይውቐስ።

‘Transparency International ‘ ኣብ 2021 ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እዛ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር፣ ብብልሸውናን ዝርገትን ኣብ ሻሙናይ ደረጃ’ያ ትስራዕ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0