ን29 ዓመታት፣ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢጣልያ ዝተዓቝቡ ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስርዓት ደርግ ነበር፣ ምሕረት ክግብረሎም ተሓቲቱ

Radio Erena: 08 July 2020

ን29 ዓመታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢጣልያ ተዓቝቦም ዝርከቡ፣ ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስርዓት ደርግ ነበር ምሕረት ክግበረሎም ዝሓትት ደብዳቤ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተላእከ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመ ስርዓት ደርግ፣ ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቑ፣ መራሒ ናይቲ ስርዓት ነበር፣ ኮለነል መንግስቱ ሃይለማርያም ናብ ዚምባብዌ ናብ ስደት ክሃድም እንከሎ፣ ኣርባዕተ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢጣልያ’ዮም ተዓቝቦም።

ኮለነል መንግስቱ ሃይለማርያምን ኣብ ኤምባሲ ኢጣልያ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣርባዕተ ሰበ ስልጣናቱን፣ ኣብ ዘይተረኽብሉ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ፣ ብሞት ክቕጽዑ እኳ እንተተፈርዱ፣ መቕጻዕቶም ናብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ’ዩ ተሰጋጊሩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ነበር፣ ሊዩተናት ጀነራል ተስፋየ ገብረኪዳንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ሃይሉ ይመኑን፣ ንዓመታት ተዓቝቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ኤምባሲ ኢጣልያ ሞይቶም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር፣ ሊዩተናንት ኮለነል ብርሃኑ ባየህን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር፣ ሌተናንት ጀነራል ኣዲስ ተድላን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ኤምባሲ ይርከቡ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ንሰበ ስልጣን ስርዓት ደረግ ነበር ሓዊስካ፣ ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምሕረት ከፋኑ እንከሎ፣ ኣብ ኤምባሲ ኢጣልያ ዝርከቡ ክልተ ሰባት ግና ዛጊት ምስ ስድራቤታቶም ንኽጽንበሩ ፍቓድ ኣይረኸቡን።

ኣብ ክሊ ዕድመ 80ታት ዝርከቡ እዞም ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስርዓት ደርግ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምሕረት ክግበረሎምን ምስ ስድራቤታቶም ክጽንበሩን ዝሓትት፣ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ይኹን ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተላእከ ደብዳቤታት ዛጊት መልሱ ኣይተፈልጠን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0