ን21 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ካይሮ ዝተሳቐየ ግብጻዊ፣ ንቀ/ሚ ነበር፣ ኣብ ኣመሪካ ከሲስዎ

Radio Erena: 04 June 2020

መሓመድ ሱልጣን፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ቨርዢንያ ዝምቕማጡ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ’ዩ።

እዚ ግብጻዊ ኣመሪካዊ መንእሰይ፣ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕብታት ተታሒዙ’ዩ፣ ኣብ 2013 ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ።

ብዙሕ ግፍዕታት ኣሕሊፉ ብ 2015 ድሕሪ ምውጽኡ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ። ወላዲኡ ግና ክሳብዚ እዋን’ዚ ኣብ ማኣሰርቲ ከምዘሎ’ዩ ዘዘነቱ።

ነዚ ግፍዕታት እዚ ክፍጸም፣ ፍቃድ ዝሃቡ ሰበ ስልጣን፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓላፈቲ ጸጥታን ግብጺ ምዃኖም ድማ’ዩ ዝምጉት።

መብዛሕቶም ብግፍዕን ጭቆናን ንህዝቦም ዘመሓደሩ ሰበ ስልጣን፣ ኣብተን ሕጊን ስርዓትን ዝኽበረለን ሃገራት ተሰዲዶም ‘ዮም ዕድመ ህይወቶም ዘሕልፉ።

መሓመድ ሱልጣን፣ ሓደ መዓልቲ ነቶም ግዳይ ስቓይ ዝገበርዎ ሰበ ስልጣን ግብጺ ከሲሱ ናብ ፍርዲ ከቕርቦ ከምዝኽእል ሓሲብዎ ከምዘይፈልጥ የዘንቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ነበር ሓዝም ኤል በብላዊ፣ ተሰዲዱ ኣብ ኣመሪካ ይነብር ኣሎ ድሕሪ ምስምዑ ግና፣ እቲ ኣብ መበቆል ሃገሩ ዘይረኸቦ ፍትሒ ክረክብ ምዃኑ ምሉእ ተስፋ ኣሕዲሩ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ፣ ምግሃስ መሰላት፣ ስቓይን ካልእ ግፍዕታትን ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን ወጻኢ ሃገራት፣ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝግዕዙሉ፣ ክኽሰሱ ከምዝኽእሉ ካብ 1991 ኣትሒዙ ዝተነብረ ሕጊ ኣሎ።

መሓመድ ድማ ነዚ ሕጊ’ዚ ተኸቲሉ’ዩ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ነበር ናብ ፍርዲ ከቕርቦ ክሲ ዝመስረተ።

ኣብቲ ክሲ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ሓላፊ ጸጥታ ዓባስ ከማልን ካልኦት ሰለሰተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን’ውን ተኸሲሶም ኣለዉ።

ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ገበነኛታት ኮይኖም እንተረኺብዎም፣ ናብታ ሃገር ኣብ ዝስደድሉ ክእሰሩ ተኽእሎ ኣሎ።

ዳይረክተር ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝፈጸመ ዝዝረበሉን ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከሲሳቶ ምንባራ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ ዝነበሮ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ናብ ፍርዲ ክቀርብ ከምዘይከኣለ’ዩ ዝጥቐስ።

ብዙሓት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህግደፍን ሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርቲን ዝነበሩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሕጊን ፍትሕን ኣብ ዘለወን ሃገራት ተሰዲዶም ይነብሩ እኳ እንተለዉ፣ ብዘይካ’ዚ ናይ ኣቶ ናይዝጊ ፍጻሜ፣ ዝተኸሰሰ ካልእ ብወግዒ ዝተገልጸ የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0