ን15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ንተባዓት ጸሓፍቲ ዝወሃብ ሽልማት ፔን ኦክስፋም ተዓዊቱ

ን15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ንተባዓት ጸሓፍቲ ዝወሃብ ሽልማት ፔን ኦክስፋም ተዓዊቱ

Radio Erena: 18 Januray 2016

Amanuel Asrat

ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣማይን ኣማኑኤል ኣስራት፣ ንተባዓት ጸሓፍቲ ዝወሃብ ሽልማት ፔን ኦክስፋም ተዓዊቱ።

ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ነበር ኤርትራዊ ጋዜጣኛን ገጣምን ኣማኑኤል ኣስራት ምስ ቱርካዊ ጋዜጠኛ፣ ጸሓፍን ኣዳላዊ ፊልም ካን ዱናርን፣ ግብጻዊ ጸሓፊን ገጣማይን ዑመር ሓዘክን ብምዃን’ዩ ናይዚ ዓመት እዚ ስልማት ተዓዊቱ።

ብ14 ጥሪ 2016 ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ከተማ ዘ ሄግ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምዕዳል ስልማት ተባዕ ጸሓፊ፣ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ኣስራትን ቱርካዊ ካን ዱናርን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝርከቡ፣ ስልማቶም ብኣካል ክወስዱ ኣይከኣሉን።

 

ኣብ ኤርትራ ካብ መስከርም 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተዉ ኣስታት 15 ኣሰናዳእቲ ናይ ብሒቲ ጋዜጣታት፣ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ደሃይ የብሎምን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካልእስ ይትረፍ፣ ነዞም ብዘይሕጋዊ መስርሕን ፍርዲን ን15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ጌሩ ዘሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብምኽሓድ፣ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየለ’የ ዝምጉት።

ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከኣ፣ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምጉሳይ፣ ነቲ ብኮሚሽን መርማሪት ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበሉ ክሲ ንምቕዋም፣ ናይ ጥርዓን ክታም ከምብሩ ከምዝቐነ’ዩ ይፍለጥ።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ብዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ብደረጃ ዓለም ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳሚ ቦታ ሒዘን ዝርከባ ሃገራት ቻይና፣ ኢራን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣዘርባዥያን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሶርያን ቬትናምን ክኾና እንከለዋ፣ ብናጽነት ፕረስ ከኣ ዝሓተተ ደረጃ ሒዘን ካብ ዘለዋ ሃገራት፣ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ቀዳሚ ቦታ ሒዘ እትርከብ ኤርትራ’ያ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0