ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝነበርዎ 24 ምክትላት ፕረዚደንት ናብ 18 ኣጕዲሉ

Radio Erena: 14 August 2020

ብመንግስቲ ዝውነን ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ናይ ስራሕ ምትዕርራይ፣ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ 24 ብዝሒ ምክትላት ፕረዚደንት ናብ 18 ከምዘውረዶ ምንጭታት ዜና ‘ታ ሃገር ሓቢረን።

ካብ ዝመስረት 78 ዓመታት ዘቑጸረ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ብጉድለት ብቕዓት ምሕደራን ብልሽውናን ብተደጋጋሚ ክውቀስ ዝጸንሐ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝግብረ ዘሎ ቀጻሊ ምቅይያር ሰበ ስልጣን መንግስትን መንግስታውያን ትካላትን፣ እቲ ባንክ’ውን ናይ መሪሕነትን ምቅይያራት ክገብር ተራእዩ ኣሎ።

እዚ ልዕሊ 1280ጨናፍር ዘለዎ ባንክ፣ ኣስታት 35 ሽሕ ሰራሕተኛታትን የዋፍር።

እዚ ባንክ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክልተ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ዱባይን ኣመሪካን ድማ ሓሓደ ጨናፍር ከምዘለዎ ይግለጽ።

ጠቕላል ዘንቀሳቕሶ ካፒታል ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ምዃኑ ሰነዳት ቁጠባ የመልክቱ።

ብዝሒ ምክትላት ፕረዚደንት ካብ 24 ናብ 18 ኣጉዲሉ ዘሎ ባንክ፣ ዝጸንሖ ናይ ምሕደራን ብልሽውናን ብድታት ከሕዊ ተስፋ ዝግበሩ ኣለዉ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ ሕጂ ኣደላዲልዎ ዘሎ ናይ ጽፍሒ ኣመዳድባ፣ ኣብ ብቕዓትን ሞያን ጥራይ ዘድሃበ ዘይኮነ፣ ብሄርን መንነትን ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ዝብል ትዕዝብቲ ዘለዎም ድማ ኣይተሳእኑን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0