ንግብጺ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝመርሐ ሑስኒ ሞባረክ ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድሚኡ ሞይቱ

Radio Erena: 24 February 2020

ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ ኣብ መበል 91 ዓመቱ፣ ሎሚ 24 ለካቲት ከምዝሞቱ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣቃሊሓ።

እቲ ንግብጺ ን30 ዓመታት ዝመርሐ ሑስኒ ሙባረክ፣ ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ብዝተፈላለየ ገበናት ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ’ዩ ዝመላለስ ኔሩ።

እንተኾነ ኣብ 2017 ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝተመስረተ ክሲታት ተደምሲሱ ናጻ እኳ እንተተባህለ፣ ምስ እርጋን ብዝተሓሓዝ ጥዕናዩ ጸገማት ስለዘጋጠሞ፣ ዝበዝሐ ግዜኡ ኣብ ሆስፒታል ከምዘሕለፎ ይግለጽ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ኣብ ሆስፒታል መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዱ ከምዝሞተ’ውን ቴልቪዥን እታ ሃገር ጠቒሳ።

ሑስኒ ሙባረክ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ፣ ካብ ኣመሪካ ናይ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ድጋፍ ይግበረሉ ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0