ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምጥራዝ ዘይሕጋውያን’ዮም ዝበለቶም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ኣብ እትሸባሸበሉ ዘላ እዋን፣ ኣምኢት ኤርትራውያን ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ 5 ሕዳር ኣትሒዙ፣ ምጥራዝ ዘይሕጋውያን ዝበሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታታ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ምዃኑ ብወግዒ ኣብ ዝገለጸሎ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘሎ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

 

እቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንነዊሕ ዓመታት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ እንተተጠሪዞም ዝጽበዮም ዘሎ ኩነታት ከምዘሰክፎም ብምጥቃስ፣ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መፍትሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝበልዎ ህጹጽ ሓገዝ ክገብረሎም ይሓቱ ኣለዉ።

ብፍላይ ገለ ገለ ኤርትራውያን፣ ብሰንኪ ዝነበሮም መርገጽን ዘርእይዎ ዝነበሩ ተቓውሞታትን ናብ ኤርትትራ እንተተጠሪዞም ግዳያት ማእሰርቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘዘለውዎ ሃገራት ናብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ኣብ ክንድኦም ብምዃን ጥርዓኖም ከቕርቡ ተላብዮም።

ዜጋታት ሶርያን በርማን ብሰንኪ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ኩነታት፣ እዚ ስዑዲ ዓረብ ወሲናቶ ዘላ ስጉምቲ ከምዘይምልከቶም ተሓቢርዎም ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ኤርትራውያን፣ ዜጋታት ኤርትራውያን’ውን ብተመሳሳሊ ዓይኒ ንኽርኣዩ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሓትሎም ተማሕጺኖም።

ስዑዲ ዓረን ሓድሽ ሕጊ ዕዮ ማለት ‘ኒጣቓት’ ካብ ትእውጅ ንደሓር፣ ዝኾነ ወጻእተኛ ዕላማ ዝኣተወሉ ቪዛን ስርሑን ዘይቃዶ እንተኮይኑ ከም ዘይሕጋዊ ሰራሕተኛ ተሓሲቡ ብዘይዝኾነ መሰል ክጥረዝ’ዩ።

እታ ሃገር፣ ነዚ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዳ፣ ዝኾነ ወጻእተኛ ኩነታት ቪዝኡን ሕጋዊ ምዃኑን ንኸጻሪ ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሐ ግዜ፣ 5 ሕዳር ክወድቕ’ዩ።

ካብዚ ዕለት እዚ ጀሚራ ድማ እታ ሃገር፣ ዘይሕጋውያን ንዝበለቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ወጻእተኛታት እናገፈፈት ነናብ ዓዶም ክትጥርዝ’ያ።
================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0