ንጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ዘጥቅዐ ደጋፊ ህግደፍ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ተባሂሉ

Radio Erena: 18 February 2020

ንዋና ኣሰናዳኢ ኣሰና፣ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ብጸባን እንቛቑሖም ዘጥቅዐ ደጋፊ ህግደፍ፣ ብቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ገበነኛ ተባሂሉ።

እቲ ያቖብ ገብረመድህን ዝተባህለ ኤርትራዊ ደጋፊ ህግደፍ፣ በቲ ቅድሚ 4 ኣዋርሕ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያስኡኡ ዝፈጸሞ ገበን፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ መዝገብ ዝጸንሐ ናይ ማእሰርቲ መጠንቀቕታን 600 ፓውንድ ካሕሳን ክኸፍል ተፈሪዱ።

ብዘይካ’ዚ ንኣስታት 5 ዓመታት ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ከይርከብ፣ ሎሚ 18 ለካቲት ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ ትእዛዝ ተዋሂቡዎ።

እቲ ንድሕነት ቆልዑን ህዝቢን ኣብ ግምት ዘየእተወ ዝተባህለ ደጋፊ ህግደፍ ያቖብ ገብረ መድህን፣ ንሓደ ወርሒ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ካብ ገዝኡ ከይወጽእን ምንቅስቓሳቱ ዝከታተል መሳርሒ ክእሰረሉን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ያቆብ ገብረመድህን ኣብ 2018’ውን ኣብ ለንደን ኣብ ልዕሊ ዝነበር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጋዜጠኛ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝነቕፍ ዓንቐጻት ብምርግሑ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣካይድሉ ምንባሩ ይዝከር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ጽቡቕ ፍረዲ