ንጀነራል ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፣ ዕልዋ ክካየደሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 February 2022

ኣብ ሱዳን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፣ ንገዛእ ርእሱ ዕልዋ ክካየደሉ ከምዝኽእል ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።

‘ኣል ጀዲድ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ምኽትል ኣቦ ወንበር’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፣ ንጀነራል ኣልቡርሃን ዓልዩ፣ ብካልእ ወተሃደራዊ መራሒ ክትክኦ ዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ቀንዲ መሻርኽቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምዃኑ ዝንገረሉ ሓምዳን ዳግሎ፣ ናብ ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ምብጻሕ ብምክያድ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ደገፍ ንምርካብ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ሱዳን ነቢል ዓብደላ፣ ነዚ ብዝምልከት ብዕለት 25 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ህዝብን ዘሎ ጋግ ንምስፋሕን፣ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሓይሉ ይዳኸም ከምዘሎ ንምምሳልን ዝዓለመ ጸለመ እዩ ብምባል ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

ኣብ ዳርፉርን ካልእ ከባቢታት ምዕራብ ሱዳንን ከበድቲ ገበናት ከምዝፈጸመ ስኽሰስ ሓምዳን ዳግሎ፣ ነቲ ዕልዋ ኣካዪዱ፣ ንገዛእ ርእሱ ስልጣን ክሕዘሉ ዘይክእለሉ ምኽንያት፣ ብህዝቢ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ስለዘረጋገጸ’ዩ፣ ክብል እዩ እቲ ‘ኣል ጀዲድ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ትንታነኡ ዘቕርብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0