ንዓሰርተ መዓልታት ዝቐጸለ ዘተ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ገና ፍረ ኣይተረኽቦን

Radio Erena: 14 July 2020

ንኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ንዓሰርተ መዓልታት ዝቐጸለ ዘተ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ገና ፍረ ከምዘይተረኽቦ ተገሊጹ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ዘተ ኣብ መንጎ ናይ ተክኒክ ጉጅለታት ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ካብ ዕለት 3 ሓምለ ኣትሒዙ ቀጻሊ ኣኼባታት ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ መወዳእታ እማመኡ ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ከረክብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብወገን ማዕከናት ዜና ግብጺ ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ እቲ ናይ 10 መዓልታት ኣኼባ ክዕወት ዘይከኣለ፣ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ ዘይቅየር መርገጺ’ዩ ዝብል እዩ።

እንተኾነ፣ ግብጺን ኢትዮጵያን፣ ንፍሽለት እቲ ዘተ ሓድሕደን ክወቓቐሳ ጸኒሐን እየን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ዝሓላልኽ ወይ ንዘተ ዕንቅፋት ዝኸውን ስጉምቲ ከይወስዳ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ክራማት’ዚ ምዕቋር ማይ ኣብ ዲጋ ተሃድሶ ክትጅምር እያ ተባሂሉ ብማዕከናት ዜና ግብጺ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ’ያ።

እዚ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክካየድ ዝቐነየ ዘተ፣ ብሚኒስተራት ዝተወከለ ኣብ ሕጋዊ መዳይ ከተኩር እንከሎ፣ ንተክኒካዊ መዳዩ ከኣ፣ ብክኢላታት’ቲ ዓውዲ ዝተወከለ እዩ ኔሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0