ንኤርትራ ዝገለለ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 23 September 2019

ንኤርትራ ዝገለለ፣ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ሓያሎ መራኽብ ኵናት ዘሳተፈ፣ ቀይሕ ማዕበል ቁጽሪ 2 (Red Waves 2) ዝተሰምየ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሸውዓተ ሃገራት፣- ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ የመንን ዮርዳኖስ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ንሓያሎ መዓልታት ክካየድ ምዃኑ ብ22 መስከረም ዝወጸ ወትሃደራዊ መግለጺ ስዑዲ ዓረብ ኣመልኪቱ።

ነቲ ልምምድ ዝወደበት ስዑዲ ዓረብ’ያ።

እቲ ኣብ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ነዘን ሃገራት ኣብ ምውህሃድ ዝተፈላለየ ስርሒታት ጸጥታ ባሕሪ ሓጋዚ ምዃኑ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ፣ ኣድሚራል ሳዲቅ ቢን መሓመድ ኣል ሓርቢ ገሊጹ።

ዝነውሐ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኵናት የመን ክነሳ፣ ካብዚ ኣብ ምጽራግ ናይ ባሕሪ ነታጕ፣ ምክልኻል መራኽብን ካልእን ዘተኮረ ወትሃደራዊ ልምምድ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar

    Akmi seb

  • comment-avatar
    Zemede 5 years ago

    Israel kemzeytasefet, gemgem keyh bahri enkela, Somalia gn,ab Indian Ocean etrkeb, Eritrea aykafelon ala kndi elka mhhbar, teseriza ktblu,ksab kndey7n,Eqet dyu zelekum ab hzbi? Hasot srahhna elkum hhizkumo. Journalism aykonen ezi srahhkum. Poor propaganda

  • comment-avatar
    ዮሃንስ ገ መዓሾ 5 years ago

    እዚ ንኤርትራ ዘገለለ ምትእኽኻባት ኣብቲ ከባቢ ዚካየድ ጸጥታዊ ጉዳያት ንኤርትራ ኮነ ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ስለ ዚኸነ ብዕቱብነት ክንከታተሎ ከም ዘድልየና እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ንኤርትራ ዚመርሕ ዘሎ ውልቃዊ ሰብ ብሚስጥር እንታይ ከም ዚገብር ዘሎ ንማንም ሕቡእ ብምኻኑ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ።

  • comment-avatar
    Sibhatu 5 years ago

    Well, this is not something surprising. It would have been surprising if you tell me that the training entails the Ethiopian Navy.