“ንኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ብቀጠር ዝተወስደ ተበግሶ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።” ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ

“ንኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ብቀጠር ዝተወስደ ተበግሶ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።” ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ

Radio Erena: 20 February 2015

Pguelle

ንኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ብቐጠር ዝተወስደ ተበግሶ ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ገሊጹ።

ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ምስ ኤርትራ ዕርቂ ክህሉ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣንፊቱ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ኣብ ፈረንሳ ምስ እትሕተም ሰሙናዊ መጽሔት ዥን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፣ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዘለኩም ንነዊሕ ዝጸንሐ ሕማቕ ዝምድና፣ ንመጻኢ ዝመሓየሽ ዶ ይመስለካ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን፣ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ዝምድና ዝፍለጦ የብለይን ኢሉ ድሕሪ ምጅማር፣ እቲ ናይ ቀጠር ናይ ሽምግልና ተበግሶ ግና ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘይብሉን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕርቂ ምግባር ኣጸጋሚ ምዃኑን ጠቒሱ።

 

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሰላም ክትገብር ኣይከኣለትን ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ ጅቡቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘይጻወሮ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ጉለ፣ ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብቀረባ ዝቖጻጸሮም ትሽዓተ ጀነራላቱን ትመሓደር ኣላ ክብል ድሕሪ ምግላጹ ድማ ምስ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ዝኾነ ነገር ዝከኣል ኣይኮነን ክብል ደምዲሙ።

ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ብዝምልከት ንዝቀረበሉ ሕቶፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ፋራሕ ብዝተባህለ ፖለቲከኛታት ዝምራሕ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተባህለ ውድብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ርክብ ብምምስራቱ ብኽድዓት ሃገር ስለዝተኸሰሰ፣ ካብዚ ናይ ምርጫ መስርሕ ከምዝተኣልየ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ብዛዕባ ኤርትራ ኣመልኪቱ ንመጽሔት ዥን ኣፍሪቃ ዝሃቦ መግለጺታትን፣ ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ ከምዝርከብ ዘነጸረ’ዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተላዕለ ምስሕሓብ፣ ብመንጎኝነት ቀጠር ናይ ሽምግልና መስርሕ ይካየደሉ ከምዘሎን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ ‘ኣብ ዝኣመናዩ ኢድ ወዲቑ ኣሎ’ ክብልን እኳ እንተገለጾ፣ ፕረዚደንት ጉለ በንጻሩ እቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ’ዩ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ናይ ቀጠር ተበግሶ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ውጽኢት ከርኣየሉ ዘይክኣለ ምኽንያት እኳ እንተዘይሓበረ፣ ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቕታት ግና መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ሓበሬታ ከይህብ ምሕንጋዱ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብቲ ኣብ ሰነ 2008 ዝተኻየደ ኵናት፣ ጅቡቲ 19 ምሩዃት ኩናት ኤርትራ ከምዝሓዘት ክትገልጽ እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

መንግስቲ ጅቡቲ ግና ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 17 ምሩዃት ኵናት ኣለውኒ ክብል’ዩ ዝስማዕ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0