‘ንኣዲስ ኣበባ ምስ ወደብ ጂቡቲ ዘራኽብ ናይ ባቡርን ጽርግያን መስመር ተዓጽዩ’

Radio Erena: 28 July 2021

ንኣዲስ ኣበባ ምስ ወደብ ጂቡቲ ዘራኽብ ናይ ባቡር ይኹን ናይ ጽርግያ መስመር ከምዝተዓጽወ ንፕረዚደንት ክልል ሶማል፣ ሙስጠፋ መሓመድ ዑመር ብምጥቃስ ሮይተረስ ሓቢሩ።

እንተኾነ ሮይተርስ ብኣካል ከረጋግጾ ከምዘይክኣለ ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ መስመር፣ ነታ 110 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ከም ጎሮሮ’ዩ ዝግለጽ።

ልዕሊ 95% እታው ይኹን ሰድድ ኢትዮጵያ፣ በዚ መስመር እዚ ኣቢሉ፣ ብወደብ ጂቡቲ ዝሰላሰል’ዩ።

እዚ መስመር እዚ ከምዝተዓጽወ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ድሕሪ ዘካየድዎ፣ ስትራቴጅያዊ ቦታታት ናይ ምቁጽጻር መጥቃዕታት’ዩ።

ብዛዕባ ምዕጻው እዚ መስመር ኣመልኪቱ ንዝቀረበ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።

ይኹን’ምበር፣ በዚ መስመር እዚ ኣቢለን ዝጓዓዛ ዝነበራ፣ ረዲኤት ዝዕጸዓና ልዕሊ 170 ዓበይቲ መካይን ተዓጊተን ከምዘለዋ እቲ መንግስትን ውድብ መግቢ ዓለምን ኣረጋጊጾም።

ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ክልላት ዘካየድዎ ዘለው መጥቃዕታት ብምቕጻል ይግስግሱ እኳ እንተለዉ፣ ናይ መወዳእታ ዒላማ መጥቃዕቶም ኣበይ ከምዝዛዘም ኣይተነጸረን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0