ንኢህወደግ ካብ ዘቖሙ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሓደ፣ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሑ 14 ኣባላቱ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ

ንኢህወደግ ካብ ዘቖሙ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሓደ፣ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሑ 14 ኣባላቱ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ

Radio Erena: 23 September 2018

retired haleft     ንኢህወደግ ካብ ዘቖሙ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሓደ፣ ደሞክራስያዊ ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንሳልስቲ ድሕሪ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሑ 14 ኣባላቱ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ።

     እቲ ብረቡዕ 19 መስከረም ኣብ ከተማ ጅማ ዝጀመረ ዋዕላ፣ ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ኣቦ ወንበር ክሾሞ እንከሎ፣ ስሙ ከኣ ናብ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኦሮሞ ከምዝቐየሮ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

 

     እቲ ሰልፊ ንገዳይም ኣባላቱ ኣፋንዩ ብንኣሽቱ ዝተክኣሉ ምኽንያት፣ እቶም መንእሰያት ደሞም ከፊሎም ነዚ ሕጂ ዘሎ ለውጢ ዘምጽኡን ነቲ ሰልፊ ስልጣን ክሕዝ ዝገበሩን ምዃኖም ይገልጽ።

     ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ እውን ተመሳሳሊ ዋዕላ ብምክያድ ስሙ ቀዪሩ፣ ሓድሽ ቅርጺ ኣሰራርሓ ከምዘተኣታቱ ይንገር።

ክልቲኦም ሰልፍታት ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ወናብር ባይቶ ንምዕብላል ክተሓባበሩ ባይታ የንጽፉ ኣለዉ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

     ብዛዕባ’ቶም ዝተረፉ ክልተ ሰልፍታት ኢህወደግ፣ ማለት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ደቡብ ኢትዮጵያን ግና ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

     ኣብቲ ዋዕላ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ዝተመርጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ንህዝቢ ኦሮሞ ዝውክላ ሰልፍታት ካብ 2-3 ክበዝሓ ትርጉም ከምዘይብሉ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ንግሆ ምሳና ክሓብሩ ተዘራሪቦም ንምሸቱ ተንኮላት ዝኣልሙ ወገናት ኣለዉ፣ ካብ ጸላእትና ፈሊና ከኣ ኣይንርእዮምን፣ ክብል ገሊጹ።

     ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግጭት፣ ነተን ኣብ ኢህወደግ ዝተጠርነፋ ሰልፍታት እውን ጸልዩወን ከምዘሎ፣ ንፖለቲካ’ታ ሃገር ዝዕዘቡ ተንተንቲ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0