ንኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ ዕሙር ንግዳዊ ምልውዋጥ ዝካየደሉ መስመር ጁባ – ኒሙለ ዝመላለሱ ጥንቓቐ ክገብሩ ጻውዒት ቀሪቡ

ንኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ ዕሙር ንግዳዊ ምልውዋጥ ዝካየደሉ መስመር ጁባ – ኒሙለ ዝመላለሱ ጥንቓቐ ክገብሩ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 19 December 2014

Juba Nimule

ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘራኽብ ዕሙር ንግዳዊ ምልውዋጥ ኣብ ዝካየደሉ መስመር ጁባ ኒሙለ ዝመላለሱ ዜጋታት ኡጋንዳ ጥንቐቓ ክገብሩ ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር ሌ ኮለነል ፓዲ ኣንኩንዳ ጸዊዑ።

እቲ ኣፈኛ ነዚ ዝጸውዐ፣ ብሬክ ማሻአ ዝምርሑ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ መስመር ጁባ ኒሙለ ክልተ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ከምዘቃጸሉ ድሕሪ ምግላጾም’ዩ።

እቲ ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ዝካየደሉ መስመረ ኣብ ጸጥታዊ ሓደጋ ከይወድቕ’ውን ሰራዊት ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከቡ እቲ ኣፈኛ ኣፍሊጡ።

 

መስመር ጁባ ኒሙለ፣ ዜጋታት ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ጥራይ ዘይኮኑ፣ ኣብተን ሃገራት ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራትን ብብዝሒ ዝመላለስሉ’ዩ።

ዝበዝሐ ናብ ጁባ ዝኣትዉ ሃለኽቲ ነገራት’ውን ብመንገዲ ጁባ-ኒሙለ ምዃኑ ይግለጽ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0