ንቅትለት ኤርትራዊ ኻልድ ኢድሪስ ኣብ ጀርመን ዝኹነን ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ

ንቅትለት ኤርትራዊ ኻልድ ኢድሪስ ኣብ ጀርመን ዝኹነን ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 19 January 2015

kalll

ንቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ኻልድ ኢድሪስ ኣብ ጀርመን ዝኹነን ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።

ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ካልድ ኢድሪስ፣ ዝተቐትለሉ ምኽንያት ዓሌታዊ’ዩ ዝበሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኣምኢት ሰባት፣ ፖሊስ ጀርመን ንቐተልቲ እቲ ኤርትራዊ ክሕዝ ብዘይምኽኣሉ ኮኒኖም።

ቅትለት እቲ ናብ ጀርመን ካብ ዝኣቱ ዓመቱ ዘይመልአ ኤርትራዊ መንእሰያ፣ ምስቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣንጻር ስደተኛታትን ጥሩፋት ኣመንቲ እስልምናን ተለዓዒሉ ዘሎ ስምዒታት ከምዝተሓሓዝ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ እኳ እንተለዋ፣ መንግስቲ ጀርመን ግና ነዚ ብወግዒ’ውን ክኣምነሉ ኣይከኣለን።

 

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ነዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ካልድ ኢድሪስ ተፈጺሙ ዘሎ ዘስካሕክሕን ኢ-ሰብኣዊ ቅትለትን ይኹንኑ ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን መዘራረቢ ኮይኑ ዘሎ ቅትለት ዜግኡ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ’ውን ኣይሃበን።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ እስራኤል’ውን ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሀ ለይቲ ሓደ ኤረትራዊ መንእሰያ ብኻራ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣረጋጊጹ።

ቀተልቲ ናይቲ ሃማስገር ኣብ ዝተባህለ ጎደና ሞይቱ ዝተረኽበ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ዛጊት ክፍለጡ ኣይከኣሉን።
=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0