ንስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም ‘Sound of Torture’ ካብ ጽባሕ ጀሚራ ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ክትቐርብ’ያ

ንስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም ‘Sound of Torture’ ካብ ጽባሕ ጀሚራ ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ክትቐርብ’ያ

Radio Erena: 17 March 2015

Aljazesound

ድምጺ ስቕያት ወይ ‘Sound of Torture’ ዘርእስታ ንስቓይ ኤርትራውዯን ኣብ ሲናይ እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝፍኖ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ኢንተርናሽናል ክትቀርብ’ያ።

እዛ ካብ ጽባሕ ጀሚራ ክሳብ ቀዳም ንምርኢት እትቀርብ ደሞኩመንታሪ ፊልም ኣቐዲማ ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን ኤውሮፓን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን ክትርአ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ’ዩ።

እዛ ዘስካሕክሕ ስቃይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እተርኢ ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓት ደኩመንታሪ ፊልም፣ ብቋንቋታት ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ እትፍኖ ኣብ ኤውሮጳ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መደበራት ቴሌቭዥን ዝኾነት ኣርተ’ውን ካብ 17 ክሳብ 24 መስከረም ንምርኢት ከምዝቀረበተን ኣብ ኤውሮጳውያን ተዓዘብቲ ሓያል ጽልዋ ከምዝፈጠረትን ኣይርሳዕን።

 

እታ ደኩመንታሪ ፊልም፣ ኣዳላዊት መደብ ስደተኛታት ኣብ ሬድዮ ኤረና ሜሮን እስጢፋኖስ፣ ንኩነታት እቶም ኣብ ሲናይ ዝሳቐዩ ኤርትራውያን ንእትገብሮ ምክትታልን ሓገዝን ብምትኳር ብጋዜጠኛን ኣዳላዊት ደኩመንታሪ ፍልምን ከረን ሻዮ ኣብ 2013 ዝተሰናድአት’ያ።

ድምጺ ስቕያት(Sound of Torture) ኣብ ኣልጀዚራ ኢንተርናሽናል ንምርኢት እትቀርበሉ ዕለትን ሰዓታትን፣-
1. ሮቡዕ 18 መጋቢት ሰዓት 11 ናይ ምሸት (20:00 GMT)
2. ሓሙስ 19 መጋቢት ሰዓት 3 ናይ ድሕሪ ቀትሪ (12:00 GMT)
3. ዓርቢ 20 መጋቢት ሰዓት 4 ወጋሕታ (01:00 GMT)
4. ቀዳም 21 መጋቢት ሰዓት 9 ናይ ንግሆ (06:00 GMT)

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0