ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብየ ብዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ 27 ሰባት ተቐቲሎም

Radio: 09 March 2022

ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብየ፣ ብዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ 27 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ንኣፈኛ መንግስቲ፣ ደን ኣጃክ ብምጥቃስ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ሓቢሩ።

ብኣፍራስ ዝመጹ ዕጡቓት፣ ኣብ ከባቢታት ማዲንግ ቶንን ኩል ቦልን፣ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው፣ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እተን ቁሸታት፣ ሞትን መቝሰልትን ከምዘስዓቡ ዝጠቐሰ ኣፈኛ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ እቲ ኩነታት ሕጂ’ውን ኣብ ወጥሪ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መብዛሕቶም እቶም ዝተቐትሉ ኣረጋውያን’ዮም።

ጠንቂ’ቲ ብ5ን 6ን መጋቢት ዝተወልዐ ግጭት ኣይተነጸረን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ግጭታት ብተደጋጋሚ ከምዝካየድ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0