‘ንምንጪ ተቓወምቲ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ምእላይ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና’ ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ

‘ንምንጪ ተቓወምቲ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ምእላይ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና’ ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ

Radio Erena: 12 August, 2014

ethio PM

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያምድ ደሳለኝ ጽንዓት ምስ ዝተባህለት ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ሬድዮ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ካብ ኤርትራ ንዝብገሱ ተቓወምቲ ንምድምሳስ ሓድሽ ስትራቴጂ ተሓንጺጹ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት እዋን፣ ግዜኡ ኣብቒዑ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንጪ ተቓወምቲ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ምእላይ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል’ውን ኣንፊቱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ተቓወምቲ ንምድምሳስ ብዝብል ክሲ፣ ሉኣላዊ ዶብ ብምጥቃሓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ወትሃደራዊ መጥቓዕቲ ከምዘካየደት ዝዝከር’ዩ።

 

ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ናይ መወዳእትን ቀይዳን ብይን፣ ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነዚ ከም ጅሆ ብምሓዝ ንኹሉ ጉዳያት ምስኡ ብምትእስሳር’ዩ ዝግለጾ።

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ኮሚን ዶባ ዝወሰኑ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ሰራዊት ንኸይትስሕብ፣ ‘ተወሳኺ ዘተ’ ዝብል ቅድመ ኩነት ከተቕርብ እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ከይሰሓበት ዝኾነ ዓይነት ዘተ ከምዘይካየድ’ዩ ዘመልክት።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝተራእየ ግጭትን ምትፍናንን፣ ነዘን ኣብ ዓለም ብድኽነተን ኣብ ቅድሚት ዝሰርዓ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝበኣሰ ንድሕሪት’ዩ ጎቲትወን።

ሕጂ’ውን እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ብስም ተቓወምቲ ናይ ውክልና ኵናትን ግጭትን ከካይዳ፣ ኣብ ህወይትን ንብረትን ተወሳኺ ዕንወትን ክሳራን ከስዕባ እንተዘይኮይነን፣ ዘምጽኦኦ እወታዊ ለውጢ ከምዘይህሉ፣ ታሪኽ ዘረጋገጾ ሓቒ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0