ንምትሓዙ 3 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ መራሒ ኣልሸባብ ኢዱ ሂቡ

ንምትሓዙ 3 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ መራሒ ኣልሸባብ ኢዱ ሂቡ

Radio Erena: 29 December 2014

Alshe Hirsi

ብዝልዓለ ካብ ዝህደኑ መራሕቲ ኣልሸባብ ሓደ ዝኾነ ዛካርያ እስማዒል ኣሕመድ ሕርሲ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ኢዱ ሂቡ።

እቲ ንዘትሕእዞ ወይ ድማ ዘለዎ ቦታ ንዝሓበረ ሰብ ብምምሕዳር ዋሽንግተን 3 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ከምዝሰለመ ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ እኳ እንተረጋገጽዎ፣ ኢዱ ክህብ ዝተገደደሉ ምኽንያት ግና ኣይሓበሩን።

ኣሕመድ ሕርሲ፣ ኣብቲ ኣልሸባብ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ ጌዶ ንፖሊስ ኢዱ ምሃቡ፣ ምስ ደገፍቲ’ቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተቐትለ መራሒ ኣልሸባብ ዓብዲ ጎዳነ ክሳነ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ’ውን ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

 

ኣልሸባብ ሕነ ናይቲ ዝተቐትለ መራሒኡ ንምፍዳይ መጥቃዕታት ከካይድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣብ ሶማልያን ኬንያን ዝበዝሑ ሰለማውያን ሰባት ዝርከብዎም ኣስታት 100 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

እቲ ናይ ሽበራ ጉጅለ፣ ኣብ ዕለተ ልደት ፈረንጂ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ’ውን ሰለስተ ኣባላት ዓቅቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከብዎም ትሽዓት ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0