ንሕክምና ናብ ሱዳን ዝተላእከ ናይ በረራ ቴክኒሻን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቱ

ንሕክምና ናብ ሱዳን ዝተላእከ ናይ በረራ ቴክኒሻን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቱ

Radio Erena: 16 July, 2014

Eraf tech

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ነፋሪት ሓደጋ ናይ ሕቖ መስበርቲ ዘጋጠሞ ምኩር ናይ በረራ ቴክኒሻን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ምክትል ተለንተ ኣረፋይነ ፣ ንሕክምና ናብ ሱዳን ድሕሪ ምልኣኹ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር፣ ኣብቲ ኤርትራራውያን ሰበ ስልጣን ዝሕከምሉ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ሆስፖታል ሕክምና እናተገብረሉ፣ ነቲ ሕክምና ብምርሕራሕ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፣ ብምትሕብባር እቲ ኤምባሲ፣ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገዓዘ’ውን እቲ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

ኣቐዲሙ’ውን ናይ 100 ሽሕ ናቕፋ ትሕጃ እናትሓዙ ናብ ሱዳን ክበጽሑ ዝተፈቕደሎም ሰለስተ ቴክኒሻናት፣ ብኡ ኣቢሎም ናብ ኡጋንዳ ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ እቲ ካብ ሱዳን ዝተላእከልና ሓበሬታ የመልክት።

ፓይሎት ሜጅረ መንግስ ጸጋይ ዝርከቦም፣ ቴክኒሻናትን ኣባላት እንዳሚሳይልን ዘጠቓለለ ብውሕዱ 10 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነበር በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ኣብ ጅቡቲ ድማ ኣብራሪ ሄሊኮፕተር ሜጀር ሃብቶም ካሕሳይ ዑቕባ ሓቲቱ ክርከብ እንከሎ፣ ኣብረርቲ ነፋሪት ካፕቴን ዮናስ ወልድኣብ፣ ካፕቴን መኮነን ደበሳይን ካፕተን ራህዋ ገብረ ክርስቶን፣ ሉተናንት ብርሃነ ኣረፋይነ ዝተባህለ ክኢላ ፍላይት ኢንጂነር ማለት ክኢላ ኣቬኒክስ ከምኡ ድማ መርሃዊ ግርማይ ዝተባህለ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማእከል ጂኦግራፍያዊ ቅርጽን ሓበሬታን በብእዋኑ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዝዝከር’ዩ።

ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ናይ ኣቑሑ መቐያየሪ ጸገም፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብታ ሃገርን ኣብ ሓይሊ ኣየርን ዘሎ ምሕደራ ዘይዓገቡ ምኩራት ኣብረርትን ቴኪንሻናትን ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብብዝሒ ክሃድሙ ይርኣዩ ኣለዉ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0