ንልዕሊ 11 ዓመታት ዝተኣስሩ ኣላዩ ቤተ ክርስትያን ቃለ-ህይወት፣ ፓስተር ዑቅባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ተፈቲሖም

ንልዕሊ 11 ዓመታት ዝተኣስሩ ኣላዩ ቤተ ክርስትያን ቃለ-ህይወት፣ ፓስተር ዑቅባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ተፈቲሖም

Radio Erena: 07 May 2018

Pastor Okbamicheal

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ፣ ኣላዩ ቤት-ኤል፣ ቃለ-ህይወት ቤተክርስትያን ኤርትራ ፓስተር ዑቅባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲሖም።

ፓስተር ዑቕባሚካኤል፣ ኣላዩ ቤት ኤል ቤተ ክርስትያን ቃለ-ህይወት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ዳይረክተርን መምህርን ናይታ በታ ቤተ ክርስትያን እትመሓደር፣ ኣብ ደቀምሓረ ዝነበረት፣ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ እተምህር ኣሕዳሪት ኮሌጅ SIM’ውን’ዮም ኔሮም።

መንግስቲ ንፓስቶር ዑቕባሚካኤልን ካልኦት ኣባላት ‘ታ ቤተክርስትያንን ድሕሪ ምእሳሩ፣ ነታ ቤት ትምህርቲ ክህግራ እንከሎ ንኣዳርሽ ናይታ ቤተ ክርስትያን ከኣ መለማመዲ ሙዝቃን ባህልን ጌርዎ ከምዘሎ ምስታ ቤተ ክርስትያን ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

መምህር ዑቕባሚካኤል፣ ድሕሪ ናይ ልዕሊ 11 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፍትሕሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከቡ መምህር ዑቕባሚካኤል፣ ብሕማም ድሕሪ ምስናፎም፣ መንግስቲ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘፋነዎም’ዮም ቀረብቶም ዝሕብሩ።

ብትሕትንኦምን ሰብኣዊ ርህራሄኦምን ኣብ ደቀምሓረ ዝተፈልጡ ፓስተር ዑቕባሚካኤል፣ ኣብ ግዜ ደርግን ድሕሪ ናጽነትን ንዝተጸገመ ህዝቢ ኣብ ምርዳእን፣ ንዘኽታማት ኣብ ኮሌጅ SIM ብምሕብሓብን ዝተፈልጡ ምስጉን ኣቦ’ዮም።

ናይ ኣስታት 60 ዓመታት ታሪኽ ዝነበራ ቃለ-ህይወት ቤተክርስትያን ኤርትራ ካብ 2002 ንደሓር ኣትሒዛ ምስ ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣብያተ ክርስትያናት ክትዕጾ እንከላ፣ መራሕተንን ኣገልገልተንን ከካብ ዝተረኽብዎ ተታሒዞም ከምዝተኣስሩ ይዝከር።

ከም ፓስተር ተስፋጽዮ ሓድጉን ሕጂ ድማ ፓስተር ዑቕባሚካኤልን ዝኣመሰሉ ብጽኑዕ ድሕሪ ምሕማሞም ክፍትሑ እንከለዉ፣ መብዛሕቶም እዞም ናይ እምነትን ስነ ምግባርን ኣቦታትን መማህራንን ዝኾኑ ፓስተራን ኣገልገልትን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተኣሲሮም ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ልዕሊ 90 ዓመት ንዝዕድሚኦም፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ’ውን ክሳብ እዚ እዋን ሓይርዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

============================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0