ንህይወት ኤርትራውያን ዘንጸባርቕ ኤግዚቪሽን ኣብ ፓሪስ ተኸፊቱ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንዘሕለፍዎ ስቓይ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ኤግዚቪሽን ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ተኸፊቱ።
እቲ ብሰራሕተኛታት ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ሊብያ ብዝነበሩ ፈረንሳውያን ዝተዳለወ ኣሳእል፣ ኣብ ቤንቓዚ ከምኡ ድማ ኣብቲ ንሱዳን ግብጽን ሊብያን ዘዳውብ በረኻ ናይ ዝተደኮነ መዳጎኒ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንዘሕልፍዎ ዝነበሩ ሕማቕ ህይወት ዘንጸባርቕ’ዩ።

    እቲ ኤርትራውያን ተዳጕኖምሉ ዝነበሩ ዓበይቲ መኽዝናት፣ ብኣማኢት ስደተኛታት የዕለቕሊቑ ከምዝነበረን፣ እኹል ናይ ዓይኒ ምድርን ካልእን መሳለጥያታት ከምዘይብሉን’ውን ኣብቲ ስእላዊ ምርኢት ቀሪቡ ኣሎ።

    ኣብ መናድቕ ናይቲ ተዳጕኖምሉ ዝነበሩ መኻዚኖታት፣ ‘መርከብ ሓርነት’፣ ‘ኣምላኽ ኣድሕነና’ ወዘተ ዝብል ብቛንቋታት ትግርኛ፣ ዓረብን እንግሊዝን ተጻሒፉ’ውን ይርአ’ዩ።

    ብፍላይ ብሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ መንደቕ ናይ ዝተሳእለት፣ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ዝተወስደ ምስሊ ‘ዮናስን ነባሪ ዓሳን’፣ እቶም ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዘለዎም ሕልምን ስግኣታቱን ብግሁድ ዘጉልሕ’ዩ ክብሉ ገለ ተዓዘብቲ’ቲ ስእላዊ ኤግዚቢሽን ገሊጾም።

    ፈረንሳውያን ኣሌክሳንደር ደርሚን በዓልቲ ቤቱን ዘዳለውዎ ስእላዊ ምርኢት፣ ንመኽሰብ ዘይኮነ ኤርታርውያን ንዘሕልፍዎ ዘለዎ መከራን ጠንቑን ንህዝቢ ፈረንሳ ንምቅላሕ’ዩ።

    እቶም ፈረንሳውያን ብዘይካ’ዚ ንኩነታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት እትንጸባርቕ ዶክሜንታሪ ፊልም’ውን ኣዳልዮም ከምዘለዉ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0