ንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትከታተል ዝተመዘት ጉጅለ፣ ስርሓ ንሓደ ዓመት ክቕጽል’ዩ

ንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትከታተል ዝተመዘት ጉጅለ፣ ስርሓ ንሓደ ዓመት ክቕጽል’ዩ

Radio Erena: 08 July 2018

hrUNንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትከታተል፣ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘት ጉጅለ፣ ስርሓ ንሓደ ዓመት ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ እታ ካብ 2012 ኣትሒዛ ዓመታዊ ጸብጻባ ከተቕርብ ዝጸንሐት ጉጅለ ዘቕረበቶ ውጽኢት ስርሓ ድሕሪ ምምርማር ብዘይድምጺ ምሃብ ንሓደ ዓመት ስርሓ ክትቅጽል ምውሳኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዋዕላ ንሕብረት ኤውሮጳ ብምውካል ስሎቫኪያ ኣብ ዘቕረበቶ ምላሽ፣ ነቲ ብጂቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ዘለዋ ደገፍ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንተሓታትነቱ ዝምልከት ቀንዲ ኣተኩሮ ክወሃቦ ከምዘለዎ ኣስሚራትሉ።

ቻይና፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምምሕያሽ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ክስርሓሉ ዝከኣል መንገዲ ምንዳይ እምበር፣ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ ክሰልጥ ከምዘይክእል ብምግላጽ ነቲ እማመ ነጺጋቶ።

ኣቐድም ኣቢሉ ከምዝተገልጸ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩዝ፣ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት ተረኺባ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ሕጂ’ውን ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እናቐጸሉ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ሱቒሉ ክዕዘብ ምምራጹ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ’ያ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ ተመሃሮ ዲያእ ኣልኢስላሚያ ዘካየድዎ ተቓውሞ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዓረፉ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ህያው ኣብነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ማእሰርቲ ምዃኑ ሓቢራ’ያ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0