ኔርዘላንድስ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምእካብ ገንዘብ ብምቕጻሉ ስጉምታት ክትወስድ ከምዝተገደደት ገሊጻ

Radio Erena: 29 October 2020

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኔዘርላንድስ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምእካብ ገንዘብ ተዋፊሩ ንዝጸንሐ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ካብ 28 ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ ካብ ስርሑ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ነዚ ዘፍለጠ፣ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ናይ ኤርትራ መበቆል ዘለዎም ሆላንዳውያንን፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ይኹን ካልእ ኣታዊታት ግብሪ ከይእኽብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ንዘሕለፎ ውሳኔ ብምጥሓሱ’ዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ መንግስቲ ኔዘርላንድስ፣ ንቆንስል ኤምባሲ ኤርትራ ብተመሳሳሊ ክሲ ካብ ሃገሩ ከምዝሰጎጎ ይዝከር።

እቲ ኤምባሲ፣ ነቲ ብስም ክልተ ካብ ሚእቲ ዝእከብ ዝነበረ ግብሪ፣ ብቀጥታ ካብ ምእካብ ኣቛሪጽዎ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብስም መኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ስለዝጀመሮ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኔዘርላንድስ መጠንቀቕታ ሂብዎ’ዩ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር እቲ ኤምባሲ፣ ነቲ መንግስቲ ኔዘርላንድስ “ዘይሕጋዊ ዝበሎ ንጥፈታት ምእካብ ግብሪ” ስለዝቐጸሎ፣ ቆንስል ምኻኑ ንዝተገልጸ፣ ሰለሙን መሓሪ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ክእገዶ ወሲኑ።

ራድዮ ኣርጎስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ድማ እቲ ኤምባሲ ዘይሕጋዊ ምእካብ ገንዘብ የተግብር ምህላዉ ዘረጋግጽ ሰነዳት ኣብ ኢዳ ከምዝበጽሐ ጠቒሳ።

ምእካብ ክልተ ሚእታዊት ግብሪ፣ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝገሽሉ እዋን ክኽፈሉ ወይ ድማ ብሰብ ከማልኡ’ዮም ዝሕተቱ።

ብዝተፈላለየ ካልእ ምኽንያታት ዝተኣከበ ገንዘብ ግን ኣብ ክንዲ ብቀጥታ ናብ ኤምባሲታት ዝኽፈል፣ ኣብ ሩስያ፣ ጋስፕሮም ባንክ ናብ ዝርከብ ሕሳብ ህግደፍ ከሰጋግርዎ ክሕበሮም ጸኒሑ።

እዚ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኤርትራ ሒዝዎ ዘሎ ተሪር መርገጺ፣ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ክኽተልኦ፣ ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብዕቱብ ክከታተልዎ፣ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ደለይቲ ፍትሒ ካብታ ሃገር ኣዘኻኺሮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0