ናጽነት ሃይማኖታት ኤርትራ ኣብ እትርከበን 16 ሃገራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ተገሊጹ

ናጽነት ሃይማኖታት ኤርትራ ኣብ እትርከበን 16 ሃገራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ተገሊጹ

state depናጽነት ሃይማኖታት ኤርትራ ኣብ እትርከበን 16 ሃገራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ገሊጹ።

እቲ ትካል ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ኣህጉራዊ ጸብጻብ፣ ጉጅለታት ዳዒሽ፣ ኣልሸባብ፣ ኣልቃዒዳን ቦኮ ሓራምን፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ካልኦት ሃይማኖታት ዝህብዎ ፍርዲ ሓደ ካብቲ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ ዘሕዝን ፍጻሜታት እኳ እንተኾነ፣ ሓያሎ መንግስታት’ውን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዒ ብሸለልትነት ዝረአ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

 

ኤርትራ፣ በርማ፣ ቻይና፣ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን፣ ታጀኪስታን፣ ቱርኪመንስታን ከምኡ’ውን ኡዝበኺስታን፣ ዝኽተልኦ ጓዕጻጺ ሜላ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዘውርድኦ ግፍዒ ከይተመሓየሸ ንዓመታት ይቕጽል ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ከም በዓል ኣፍጋኒስታን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን፣ ሱዳን፣ ፓኪስታንን ሞውሪታንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ግና ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ዝህቦኦ ክሳብ ሞት ዝኸይድ ፍርዲ ደው ንክብል፣ መንግስቲ ኣመሪካ ኣተኩሮ ሂቡ ክሰርሓሉ ከምዝኾነ የፍልጥ።

ሽበራዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ያዚዲ፣ ተኸተልቲ ሃይማኖት ሺዓን ክርስትያንን ብዘውረዶ መቕዘፍቲ፣ ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይርከብ። ጉጅለ ቦኮ ሓራም እውን ሓደ ካብቶም ንናጽነት ሃይማኖት ዓለም ኣስጋእቲ ዝኾኑ ጉጅለታት ተባሂሉ ተረቚሑ’ሎ።

እንተኾነ፣ ኮሚኒስታዊ ስርዓት ዝኽተላ መንግስታትን ዲክታቶርያዊ ኣመራርሓ ዘለወን ሃገራትን እውን ካብቶም ጥሩፋት ጉጅለታት ዝንቀሳቐሱለን ሃገራት ብዘይንእስ ቁጽሪ፣ ዝተፈልየ ሃይማኖት ንዘለዎም ዜጋታተን ብምእሳር፣ ምግፋዕ፣ ምግራፍን፣ ንወድሰብ ኣብ ዘይምችእ ቤት ማእሰርታት ብምቕያድ ምስቓይን ይቕጽላ ከምዘለዋ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ሓያሎ ዓመታት ዝተቐየዱ ኣሽሓት ዜጋታት ከምዘዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ መሰል እምነትን ናጽነት ሃይማኖታትን ብምጉዕጻጽ ንሓያሎ ዓመታት ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0