‘ናይ ጉዕዞ ሰነድ ሰኒዕኪ’ ብምባል ንሓንቲ ኤርትራት ስደተኛ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓገቱ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኢምግሬሽን ኡጋንዳ፣ ብብልሽውና ተኸሲሶም

Radio: 08 March 2022

ኣብ ኡጋንዳ፣ ‘ናይ ጉዕዞ ሰነድ ሰኒዕኪ’ ብምባል፣ ንሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ፣ ካብ መገሻ ዝዓገቱ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር፣ ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተው ማዕከናት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።

እቶም ሰራሕተኛታት ኢምግሬሽን፣ ነታ ኤርትራዊት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝተዋህባ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ፣ ዝተሰነዐ’ዩ ብምባል፣ ካብ መገሻ ብምኽልኻል፣ ነፋሪት ክትሓድጋ ብምግባሮም፣ ናይ ልዕሊ 1800 ዶላር ክሳራ ከምዘስዓቡላ’ዩ ተጠቒሱ።

ሰራሕተኛታት ኢምግሬሽን ኡጋንዳ፣ ኤርትራውያን ንዝርክበዎም ስደተኛታትን በጻሕቲ ሃገርን፣ ‘ዝተሰነዐ ሰነዳት ጉዕዞ ከይከውን ብዝብል ምስምስ፣ ናይ ጉዕዞ ምስንኻል ብምፍጣር ጉቦ ክሓቱ ንቡር ተርእዩ ‘ዩ።

እዞም ክልተ ደቂንስትዮን ሓደ ወዲን ዝኾኑ ኣባላት ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኡጋንዳ’ውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ተጠርጢሮም’ዮም ብ3 መጋቢት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ።

ኣሃዱ ምቑጽጻር ብልሽውና ነዞም ጥርጢራት ክሕዞም ዝኸኣለ፣ መንነቶም ዘይጠቐሶም ወገናት ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ሓበሬታ ምስ ኣቕረቡሉ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ሞኒተር ኣገንዚቡ።

ዳይረክተር ክፍሊ ዜግነትን ኢምጊሬሽንን ኡጋንዳ፣ ሜጀር ጀነራል ኣፖሎ ካሲታ-ጎዋ፣ ነታ ስማ ዘይተጠቕሰት ኤርትራዊት ይቕሬታ ብምሕታት፣ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ከምዘዳለወላ መደበር ቴሌቪዥን ኡጋንዳ ብወገና ጸብጺባ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0