ናይ ካናዳ ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ንቻይና ሸይጥዎ

ናይ ካናዳ ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ንቻይና ሸይጥዎ

Radio Erena: 25 February 2016

Sun

ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ፣ 60 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ንቻይና ክሸጦ’ዩ።

እቲ ናይ ካናዳ ኩባንያ፣ ነቲ ብ”ፕሮጀክት ኣስመራ” ዝፍለጥ ዕደና ብ65 ሚልዮን ዶላር’ዩ ‘ሲሹዋን’ ንዝተባህለ ናይ ቻንያ ኩብንያ ክሸጦ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ዝሕብር ዘሎ።

መንግስቲ ቻይና፣ ንድሕሪ ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ ነቲ ብኩንያ ሳንሪጅ ዝተጀመረ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ምዕዳግ ኣዋጻኢ ምዃኑ ብምጥቃስ’ዩ ኩባንያ ሲሹዋን ናብቲ ውዕል ክሰጋገር ዝፈቐደ።

 

ኣብ 2012’ውን ‘ሰፍኮ’ ዝተባህለ ኩባንያ ዕደና ቻይና፣ ኣብ ዛራን ከባቢኡን ብናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ቻላይስ ተጀሚሩ ንዝነበረ ፕሮጀክት ዕደና ብ80 ሚልዮን ዶላር ከምዝዓደጎ ኣይርሳዕን።

መብዛሕተን ኩባንያታት ዕደና ቻይና ብመንግስቲ ዝውነና’የን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኩባንያታት ዓደና ቻይና ኣብ ኤርትራ ልዑል ኣተኩሮ ኣንቢረናሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፣ ብሚኒስተር ማዕድን ኤርትራ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዕደና ንምዝርራብ ኣብ ቻይና ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዑደት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ቻይና፣ ብዘይካ ኣብ ዕደና፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ናይ ልምዓትን ምትሕግጋዝን መደባት’ውን ከምዝዘተየ ምንጭታት ሓቢሮም።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0