ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ 39 ሃገራት ብዘይቪዛ ከግይሽ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ 39 ሃገራት ብዘይቪዛ ከግይሽ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 25 October 2018

eri_passportናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ 39 ሃገራት ብዘይቪዛ ከግይሽ ከምዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ካብ 2006 ኣትሒዙ ዓመታዊ ‘ሄንሊ’ ብዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ጉዕዞ ዝዳሎ መጽናዕቲ፣ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ናብ 39 ሃገራት ዓለም ብዘይቪዛ ከግይሽ ደኣ ይኽኣል’ምበር፣ ምስ’ቶም ዝተሓተ ደረጃ ዘለዎም’ዩ ኣስፊርዎ።

ምስ ኤርትራ ዝተሓተ ደረጃ ፖስፖርት ዘለወን ሃገራት፣- ሱዳን፣ የመን፣ ሶማል፣ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታንን ሶርያን ይርከባ።

ብዘይ ቪዛ ናብ ዝበዝሐ ሃገራት ከግይሽ ዝኽእል ፓስፖርት ተባሂሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ናይ ጃፓን’ዩ።

ዜጋታት ጃፓን ናብ 190 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ይኽእሉ።

ድሕሪ ዜጋታት ጃፓን፣ ብዘይቪዛ ናብ 188 ሃገራት ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ዘለዎም፣ ዜጋታት ሲንጋፓር፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ደቡብ ኮርያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ነዚኦም ስዒቦም ከኣ፣ ዜጋታት ሃገራት ስካንዲኒቭያ፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ኢጣልያን ከኣ ናብ 186 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክገሹ ይኽእሉ።

መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንወነንቲ ፓስፖርት እዘን ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክበጽሑ ክፈቕዳ እንከለዋ፣ ንወነንትቲ ፓስፖርት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ’የን ዘገድዳ።

ንኹሎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቪዛ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ዝፈቐደት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢትዮጵያ’ያ።

ናይ ኤርትራ ፖስፓርት ዝሓዙ ድማ ንኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ሓዊስካ ናብ 39 ሃገራት ብዘይቪዛ ናይ ምንቕስቓስ ዕድል ኣለዎም።

ብኣንጻር እዚ ግና፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ናብ ዝገሹለን ሃገራት መእተዊ ቭዛ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሃገር መውጽኢ ቪዛ’ውን የድልዮም’ዩ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0