ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ እዋናዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ እዋናዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

Radio Erena: 17 February 2016

Abune Mekarios

ድሕሪ ሞት ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ሓድሽ ፓትርያርክ ኣብ ምሻም ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዓቃቤ መንበር ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ መንግስቲ ኤርትራ ንኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ቦትኦም ክመልሶም ዝውጽዕ መልእኽቲ ኣመሓላልፎም።

ኣቡነ መቃርዮስ ኣብቲ ናብ መንግስቲ ኤርትራ፣ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን፣ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ምእመናንን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፍዎ ናይ 45 ደቓይቕ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዱ ኢዱ ካብ ምትእትታው ክስሕብን ነታ ቤተ ክርስትያን ናጻ ክገድፋ ብምጽዋዕ፣ ጳጳሳት ኤርትራ ምሒሎም ንዝተሰከምዎ ሓላፍነት ክሳብ ሞት መስዋእቲ ክኸፍሉን፣ መንፈሳዊ ኣቦኦም ኣቡነ እንጠንዮስ ክመልሱን ዳግማይ ከኣ ኣብ ጌጋ ከይወድቑን ኣዘኻኺሮም።

 

ኣቡነ መቃርዮስ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ልኡኻቱ ኣቢሉ ንግሩሃት ሰባት ብስም ስእሊ ቅድስት ስላሴን ጥንተኣብሶን ካልእን ዝብል ምኽንያታት ንቤተ ክርስትያን ይኸፋፍል ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፣ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንተንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም ክሳብ ብሲኖዶስ ዝውሰን ኣብ ዘለዎ ተኦኣሊቡ ክጸንሕን ኣብ ዝኾነ ቦታ ከም መካትዕን መዘራረብን ከይልዓል ኣዚዞም።

እዚ ኣብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ተጀሚሩ ዘሎ ኢድም ምትእትታውን ምክፍፋልን ናብ ኩለን እምነታት ዝልሕምን ጽባሕ ንግሆ ካብታ ሃገር፣ እምነት፣ ሃገራውነትንሕያውነትን ፈጺሙ ባሕጕጉ ዘጥፍእ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣማኒ ክርስትና ይኹን እስልምና፣ብሕብረት ዓገብ ክብል’ውን ሃዋርያዊ ጻውዒት ጌሮም።

ብሕርያ መንግስቲ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ዝተሸሙ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ድሕሪ ምዕራፎም፣ እቲ መንግስቲ ብመንገዲ ወኪላቱ ቢሉ ምስ ጳጳሳትን ኣባላት ሲኖዶስን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ብምብጻሕ ሓድሽ ፓትርያርክ ንምሻም’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

እንተኾነ ሓሙሽተ ጳጳሳት እታ ቤተክርስትያን ፣ ኣማሓዳሪ ኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስን ጸሓፊ ቀሺ ሃብቶምን ዝተክኡ ኣቶ ኣቶ ግርማይ ዘርኣይ ኣቶ ካሕሳይ ግርማይ ዝተባህለ ክልተ ላዕለዎት ወኪላት መንግስቲ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብምውጋዝ፣ ኣማሓደርትን ዋና ጸሓፍን ከም ኣውራ መሳርሒ ክጥቐመሎም ንዝጸንሑ ኣባ ሉቓስ ከኣ መጠንቐቕታ ምሃቦምን መርበብ ሓበሬታ tewahdo.org ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሕጊን ስርዓትን እታ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፣ ንመበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ 2007 ድሕሪ ምእላይ፣ ምስ ሓደ ሓደ ኣባላት ምምሕዳርን ሲኖዶስን ብምሽራኽ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ ከምዝሸሞም ኣይርሳዕን።

ይኩን’ምበር ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ እስክንድርያ ካብ እትርከብ ቤት ክርስትያን ኦሮቶዶስ ተዋህዶ ይኹን ካልኦት ኣሓት ቤተክርስትያናት ዓለም ወግዓዊ ተቐባልነት ከይረኸቡ’ዮም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብሰንኪ’ዚ’ዚ ምትእትታው ናይ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ክልተ ተገሚኦኣ ትርከብ።
==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0