ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ዘሰጋገረ ፕረዚደንት ሶማል ናብ ታንዛንያ ኣምሪሑ

Radio Erena: 22 July 2022

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕርዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ታንዛንያ ኣምሪሑ።

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ መዓልታት፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ዘካይድኦ ክልትኣዊ ርክባት፣ ሶማል ናብ ማሕበረኮም ምብራቕ (EAC) እትጽንበረሉ ዕድላት ክመያየጥ።

እቲ ፕረዚደንት፣ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ንግዲን ወፍሪን ዘተኮረ ማሕበረኮም ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኣሩሻ ዘካይድዎ ዋዕላ ክሳተፍ ተዓዲሙ ከምዘሎ ቤት መንግስቲ ቪላ ሶማልያ ኣብ ዘውጾ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ሶማል ኣብ 2016 ናብቲ ማሕበረኮም ክትጽንበር ጠለብ እኳ እንተቕረበት፣ ዘይውሑስ ጸጥታ ኣብ ንግዲን ወፍሪን ዝህልዎ ምትእስሳርን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ፍቓድ ኣይረኸበትን።

ኣብቲ ሎሚ 22 ሓምለ ዝካየድ ዋዕላ፣ መራሕቲ ታንዛንያ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ክርከቡ’ዮም።

ኣብዚ መበል 22 ስሩዕ ዋዕላ ናይቲ ማሕበረኮም፣ ኣስታት 300 ወከልቲ ኣብ ንግዲን ወፍሪን ዝነጥፉ መሻርኽቲ ኣካላትን ትካላትን ‘ውን ተዓዲሞም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ናብዚ ዞባዊ ዋዕላ ንምስትትታፍን ምስ ታንዛንያ ዝምድና ንምድልዳልን ናብታ ሃገር ዘምርሐ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ዑደት’ዩ።

ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ብኤርትራ ዝጀመረ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ናብ ኬንያን ጂቡቲን ድሕሪ ምብጽሑ፣ ቅድሚ ሳልስቲ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምዃኑ ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ብሃንደበት እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቱ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0