ናይ ሂሩት ፖለቲካ

ናይ ሂሩት ፖለቲካ

Radio Erena: 30 September 2015

Bole1

     ኔልሰን ማንዴላ፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጸሎት ኣትኪሉ ዝነበረሉ እዋን’የ ከተማ ዮሃንስበርግ ኣትየ። ዮሃንስበርግ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ’ቲ ዝዓረፍክሉ ከባቢ ሪችሞንድ ዝወስድ ኣውራ ጎደናታት፣ ዓበይቲ ኣሳእል ማንዴላ ተንጠልጢልዎ ይርአ። እታ ከተማ ንስርቕን ገበንን ዝተቓልዐት ምዃና ወሪኣ ኣሎኒ። ጽልዋ’ዚ ወረ’ዚ ከይኮነ ኣይተርፍን፣ ሜዳ ማንዴላን ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ዊትስን እንተዘይኮይኑ፣ ልበይ መሊአ ሸናዕ ኣይበልኩዋን። ዝበዝሐ ካብ መዓልታተይ ኣብ ሪችሞንድ ሆቴል’ዩ ባኺኑ።  

     ኣብ ኩርናዕ መቀበል ኣጋይሽ ናይቲ ሆቴል ኣብ ዝርከብ ዓበይቲ ሶፋ፣ ምስ ክልተ ኢትዮጵያውን ጋዜጠኛታት ርሱን ክትዕ ውሒጡና’ዩ። ደቡብ ኣፍሪቃ ምህላውና’ውን ረሲዕና ኢና። መጋብኣያ’ዩ መሲሉ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣውራ ኣርእስትና ነበረ። ክትዕና መዕለቢ ከምዘይንረኽበሉ፣ ይርድኣና ኣሎ። ግና ይቕጽል። ሓደ ካብቶም ጋዜጠኛታት ምስ ሽበራውያን ተሓባቢርካ ብዝብል ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ዝፈረዶ’ዩ። ኣዳላዊ ጋዜጣ ኣዲስ ነገረ፣ መስፍን ነጋሽ። ክትዕና እናረሰነ ብዝኸደ፣

 

     “ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ትዳለወሉ ኣብ ዝነበረት ከባቢ’ኳ ንሓጺር ግዜ ተቐሚጠ’የ፣”  መኣዝን ዕላልና ንምቕያር ዘምጻእክዎ’ዩ።

     “ኣብ ከባቢ ቅዱስ ገብርኤል ሆስፒታል ክንደይ ጌርካ፣” ሓሳብ ልበይ ሰሚሩ መዕለቢ ካብ ዘይንረኽበሉ ክትዕ ወጺእና። 

     ኣዲስ ኣበባ፣ ከባቢ ሃያ ሁለት፣ ናብ ቦሌ መድሃኔኣለም ኣብ ዝወስድ ጎደና፣ ቅዱስ ገብርኤል ሆስፒታል ኣሎ። ፊት እዚ ሆስፒታል፣ ኤርትራውያን ብብዝሒ የዘውትርዋ ዝነበሩ ቤት ቁርሲ መሓመድ ትርከብ። መሓመድ ኣብ ኤርትራ ነጋዳይ ዝነበረ ትግራዋይ’ዩ። ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሱ ነዛ ቤት ቁርሲ ምክያድ ጀሚሩ። ብዝሒ ዓማዊል እዛ ቤት ቁርሲ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ምዃኖም ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን።። ፉልን ፋታን ብብዝሒ’ዩ ዝሽየጥ ኣብ እንዳ መሓመድ። ጎኒ መሓመድ’ውን መልኣኩ ዝተባህለ መንእሰይ እንዳ ኢንተርነት ምኽፋቱ፣ ቴሌፎን ብኢንተርነት ንምድዋል ኤርትራውያን ኣብቲ ከባቢ ምስዓሰሉ’ዮም።

     ረፋድ ፉል መሓመድ ዝቐረሰ፣ ድራር እንተዘይኮይኑ ምሳሕ ኣየድልዮን። እንዳ መሓመድ ካብ ዘዘውትሩ ዓማዊል’የ። ፉል ክሳብ እትዳሎ፣ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር መጻንሒተይ’ያ። ‘ኣዲስ ነገር’ ምስ መንግስቲ ብዘይምቅዳዋ፣ ሎሚ ዶ ጽባሕ ጠቕሊላ ትዕጾ ዝብሃለሉ ዝነበረ እዋን’ዩ። 

     መሓመድ፣ ንባህርያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብደቒቕ ኣጽኒዕዎ’ዩ።

     “ገንዘብ ክሕልወለሎም እንከሎ ናብዚኣ ቅልቅል ኣይብሉን’ዮም፣”  እናበለ’ዩ ዝሓምዮም።

     ሓቁ’ዩ። ዝተሓወለ ገንዘብ እናክወሓድ፣ ኣብ እንዳ መልኣኩ ኢንተርነት ካፍ ናብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ዝድወል ኣውያት፣ ክሳብ ግዳም’ዩ ዝስማዕ። ዝጣርዑን ዝራገሙን ውሑዳት ኣይኮኑን። 

     “ናብራ ኣዲስ ኣበባ ከቢሩ፣ ኣብ ካምፕ ምዝገባ ይብሃል ኣሎ’ሞ፣ ናብ ካምፕ መምለሲ፣” ዝብላ መለመኒ ሓረጋት ብብዝሒ’የን ዝደጋገማ።

     “እዚ ትርእዮ ዘሎኻ በዛ ድሕሪ ሆስፒታል ሰበይቲ ሒዙ ኣሎ፣ እቲ ምስኡ ዘሎ ከኣ ኣብ ባራት’ዩ ገንዘቡ ዝውድእ ዘሎ፣” እናበለ ሓደ ብሓደ ኣዳቒቒ ኣጽኒዕዎም’ዩ መሓመድ። መሓመድን ጋዜጣ ኣዲስ ነገረን ምንጪ ሓበሬታይ’ዮም ኔሮም። ዋላ’ኳ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝሒ ጋዜጣታት እንተነበራ።

     ኤርትራ ዶ ኢትዮጵያ ባ ካብ ዝብል ሸንኮለል ክትዕ፣ ናብ ዘዛኒ ዕላላት 22 ሰለይ ምባልና ኣይጸላእና’ዮን። ብፍላይ ንመስፍን ናብ ሕሉፍ ይመልሶ ምንባሩ፣ ኣብ ገጹ ይንበብ። ንከቢብ ገጹ ምስ እዝኑ ዓትዒቱ ዝሓዘ መነጽሩ እናሻዕ እናንቐሳቐሰ ፍሽኽታ የዘውትር። 

     ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናኽራኸቡ፣ ከየልዓልዎ ዘይሓልፉ ኣርእስቲ’ዩ። “ሓደ ኢና ኣይኮነን፣ ሓበሻ ኢና ኣይኮነን….” ካብ ዘየሳንዩ ዕላላት እዞም ክልተ ጎረባብቲ ህዝብታት’ዩ።

 

        ++++++++++++++++

 

     ኣዲስ ኣበባ ሳልሳይ ወርሐይ’ዩ። መንበሪ ቤት ክካረ ሓዱሽ ብዝተባህለ መንእሰይ ተመሪሐ’ዩ ከይደዮ። ዋና ገዛ እንታዋይ ኢኻ እንተሓተታ፣ ሰራሕተኛ ኢምግሬሽን ምዃነይ ክሕብረ ምዕዶ ተዋሂቡኒ’ዩ። ኣብ ፈለማ እግረይ’ውን ከም ምዕዶይ’የ ዝገበርኩ። ማማ ኣለምጸሃይ፣ ሕዋይቲ ኣደ’የን። በዓል ቤተን ደቆም ክርእዩ ናብ ወጻኢ ሃገር ስለዝገሹ፣ ኣመሓደርቲ ቤት፣ ንሰንን ኣብ ክሊ 20ታት እትርከብ ጓለንን’የን። 

     ረፋድ ሰንበት’ዩ። 

     መሓመድ ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ሰንበት ኣይከፍትን’ዩ። ካብ ዓራተ ከይተንሳእኩ ብዛዕባ ኣበይ ከምዝቖርስ ይሓስብ ኣለኹ። ማዕጾ ቤተይ ልዙብ ናይ ምኩሕኳድ ድምጺ ብዘድሃየ ከኣ፣ ምስ ፒጃማይ ንግዳም ወጻእኩ፣

     “ማማ ምሳና ቡን ስተ ትብለካ ኣላ፣” ናህሪ ብዘለዎ ናይ ከተማ ኣምሓርኛ። ሂሩት፣ ጓለን ንማማ ኣለምጸሃይ’ያ። ንሳ’ውን ምስ ፒጃማኣ’ያ።

     ዝቐረበለይ ዕድመ ከኽብር፣ ገጸይ ተሓጺበ ምስ ፒጃማይ ናብቲ ኣብ ማእከል እንነብረሉ ቀጽሪ ዝርከብ ሓውሲ ቪላ ኣተኹ። ማማ ኣለምጸሃይ፣ ናይ ጀበና ቦታ ሒዘን ኣለዋ። ንኢድ የማን ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ሶፋ፣ ጽሙእ ገጽ ዘለዎ ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከብ መንእሰይ ኣሳፊሑ ሽታ ቡን የስተማቕር። ሰላምታ ተለዋዊጠና። ፊቲ’ቲ መንእሰይ ኣብ ዘሎ ሶፋ ቦታ ሓዝኩ። 

     ኣምሓርኛ ብደርገፍገፍ ስለዘሸግረኒ፣ ሰማዓይ ክኸውን’የ መሪጸ። ኣብ መንጎ ዕላል’ተን ኣደን ጓለንን፣ እቲ መንእሰይ ናባይ እናመላኸተ ብትግርኛ፣ 

     “ክንደይ ጌርካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣” ሓተተ። 

     ተዛራባይ ቋንቋ ትግርኛ ምዃነይ ድሮ በጺሕዎ ኣሎ። ግምተይ’ዩ። ብውሕዱ ዘስተንፍሰሉ ዕላል ረኺበ። መን ምዃነይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንደይ ከምዝገበርኩን ከይሓባእኩ ኣዕለልክዎ። ዕላልና ዋሕዚ ነበሮ። ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ማማ ኣለምጸሃይ ይኹና ሂሩት፣ ንተኸስተ “ወዲ ዓድኻ” እናበላ’የን ዝገልጽኦ። 

     “እዚ ናይ ጨራሩ ቋንቋ ዘይትገድፍዎ፣” ሂሩት ንላግጺ ዘምጽኣቶ’ዩ። 

     ቋንቋ ኣምሓርኛ ከተምልኸኒ ህልኽ ዝሓዛ ክትመልስ፣ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተት ብቅልጣፈ ከትዕልለኒ’ያ ትፍትን። ብማማ ኣለምጸሃይ ዝጀመረ ቡን ናይ ሰንበት ናብ ሂሩት ተሰጋጊሩ’ዩ። ሂሩት ንቡን ትፈልየሉ ግዜ የብላን። ዊን ኣብ ዝበላ’ያ ናውቲ ቡን ቀራሪባ፣ ኣዋጅ ትገብር። ቡን ከተፍልሓሉ እትመርጾ ክፍሊ ሳሎን ዘይኮነ መደቐሲኣ’ዩ።

     ተኸስተን ሂሩትን ኣመና ዝተቐራረቡ ነበሩ’ሞ፣ ኣብ መንጎኦም ምፍታው ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሕደርኩ። ተኸስተ ኣብ ዘይህልወሉ ናብ መደቐሲ ክፍላ ኣትየ ቡን ክሰቲ ከም ነውሪ ቆጸርክዎ። 

     ተኸስተ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሐ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ’ዩ ዘዕልል። ብደገ ደገ ዝፈልጥዎ ከኣ፣ ተኸስተ ዕባይ ኤርትራ፣ ብዜግነት ግና ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣባል የህዝብ ደህንነትና ብሄራዊ መረጃ ምዃኑ’ዮም ዝዛረቡ። “ኣይፋሉን ዝተዓስበ ኤርትራዊ’ዩ፣” ዝብሉ’ውን ገጢሞሙኒ ኣለዉ። ብርግጽ ዝፈልጥክዎ ነገረ የብለይን። ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኢንተርነት ክውንን ጥርጣረ ዘይፈጠረለይ ኣይኮነን። ሂሩት ማዕረ ዓቢ ሓዋ’ያ ትፈትዎ። ኣብ መመረቕታ ናይቲ ኣብ ላፍቶ ብዕጫ ዝበጽሓ ኮንዶሚነም፣ ኣቦ ጓይላ ኮይኑ’ዩ ተዓጢቑላ። 

     ምስ ተኸስተ ካብ ዘይንርአአ ካልኣይ ሰሙን ሓሊፉ።  ሂሩት ከም ልማዳ፣ ናይ ቡን ኣዋጅ ስለዝገበረት፣ “ተኸስተ የለን ድዩ?” ሓተትኩዋ። ጉዳይ’ዩ ክከታታል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ምኻዱ ሓበረት። ሂሩት ትኹን ማማ ኣለምጸሃይ፣ ተኽስተ ኤርትራዊ’ዩ፣ ኢለን’የን ዝኣምና።

     ናይ ቡን ኣዋጅ እንተዘየኽቢረ፣ ሂሩት ክስምዓ ዝኽእል ሓሰብኩ። ተደጋጋሚ እዋን ነጺገያ’የ። ሎሚ ግና ምስ ናይ ሂሩት ቡን ከማሲ ወሲነ ኣለኹ።

     ሂሩት፣ ብዛዕባ ኣስመራ ብተመስጦ’ያ ተዕልል። ሓደ እዋን ኣስመራ ክትርእያ ዘለዋ ባህጊ ኣይትሓብእን’ያ። ሓቃ ኸኣ፣ ሰብ ንዑደት ሃገራት ይሰናጥቕ ‘ዶ የለን። ኣብ ጎረቤት ሃገር በጻሒት ክትከውን እንተተመንንነየት፣ ጽቡቕ ምንዮት’ዩ። ኣስመራ ኣብ እተልዕለሉ “ኣይ ኣንድ ነን’ኮ፣” እትብል ሓረግ መደምደሚታ’ያ።

     “ሓደ ኢና ኣይኮነን፣ ሓበሻ ኢና ኣይኮነን፣” ክንብል ሸንኮለል እንብለሉ ምኽንያት ኣይተራእየንን። ብዝተኻእለ መጠን፣ ንኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ኣብ ዮሃንስበርግ ዝተጠቐምኩላ ሜላ ክኽተል’የ መሪጸ። ሂሩት’ውን ካባይ መልሲ ኣይተጸበየትን።  ሓሳብን ግብርን፣ ድሌትን ክውንነትን ነንበይኖም ክሳዕ ዝኾኑ፣ ኣብ ሓሳባትን ድሌታትን ሰባት ክካታዕ ኣይመርጽን። 

 

                                                       ++++++++++++++++

 

Axum hotel

     መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2009’ዩ።  

     ናብ ቤት ጽሕፈት የህዝቢ ደህንነት እና ብሄራዊ መረጃ ተዓዲመ፣ ካብ ልደታ ናትናኤል ሆቴል፣ ተበጊሰ ኣለኹ።

     ኣባላት’ቲ ናይ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን ትካል ዝኾኑ ክልተ መንእሰያት ኣሰንዮሙኒ’ዮም። ኣብ ኣፈፌት’ቲ ህንጻ ብዝበጻሕና፣ ምሉእ ተፍትሽ ተጌሩልና ንውሻጠ ኣቶና። ቀዲሙ ዘስተኣናገደና የማነ ነበረ። የማነ ኣቐዲመ’ውን ረኺበዮ ስለዝነበርኩ፣ ምቅሉልን ሕያዋይን ትርኢት’ዩ ዘለዎ። ምስ የማነ ተመራሪሕና ድማ ናብ ቤት ጽሕፈት ምክትል ሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣቶ ኢሳይያስ ወልደጊዮርግስ ኣቶና። 

     “እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ከመይ ኔሩ ጉዕዞ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ?” ሰላምታን ሕቶን’ዩ።

     ሰላምታ መሊሰ፣ ጉዕዞይ ካብ ኣስመራ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከምይ ምንባሩ ብሓጺሩ ከዕልሎ ፈቲነ። ኣብ ኣስመራ ቦሎኛ ሆቴል ምስ ወዲ ካሳን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ጥዕሙ ግዜ ከምዘሕለፈ ኣውጊዑኒ።

     “እዛ ሃገርኩም’ሲ በቃ መንእሰይ ዘይብላ ክትተርፍ’ያ፣ ገለ’ባ ግበሩ ኣድሕኑዋ እዛ ሃገር፣” ብሃወኽ ዘይምለስ ስንክሳር ሕቶን ርእይቶ ደርበየለይ ኣቶ ኢሳይያስ።

     መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት ይጓረት ኣሎ። ሓቂ’ዩ። “ገለ ግበሩ” እትብል ርእቶ’ውን ቅኑዕ’ዩ። ብኸመይ? ዝብል ግና ዓቢ መስገደል’ዩ። 

     ኣቶ ኢሳይያስ ቅድመይ’ውን ኣማኢት ኤርትራውያን ተቐቢሉን ኣፋንዩን’ዩ። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ከምዘልዓለሎም ርግጸኛ’የ። 

     ቅድሚ’ዚ ምስ ኣቶ ኢሳይያስ ምርኻበይ’ውን፣ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሽመልባ ኣብ ዋዕላ ንህቢ ዘንቀልዎ ብረታዊ ቃልስን ዘጓነፎ ብድሆታትን ብዝርዝር ከረድኣኒ ምስ ዝኸኣለ፣ መስፍን ሃይለ ምስ ዝተባህለ ኣባል ስለያ ኢትዮጵያ ከዕልል ክኢለ’የ። መብዛሕቶም እቶም ናይ ሽዑ ብረት ዝዓጠቑ መንእሰያት፣ መማህርተይን ገሊኦም ድማ ናይ ቀረባ የዕሩኽተይን ምስ ምንባሮም፣ ናይ ዋዕላ ንህቢ ፍጻሜ ሓድሽ ኣርእስቲ ኣይነበረን። 

     “እዛ ሃገርኩም’ሲ በቃ መንእሰይ ዘይብላ ክትተርፍ’ያ፣ ገለ’ባ ግበሩ ኣድሕኑዋ፣” እትብል ምሉእ ሓሳባት ኣቶ ኢሳይያስ’ውን ካብዚ ነቒላ ክሳብ ቅድሚት ዝውርወር ጭራ ኣለዋ። 

     “ሰብ ምዃን’የ ናፊቐ። ኣእዛነይ ብሻዕብያ ዶ ወያነ ባ ጸሚሙ’ዩ። ሃገር፣ መንግስቲ፣ ዶብ…ዝብሉ ኣርእስታት ኣደንቍሮሙኒ’ዮም። በቃ ሰብ ምዃን ናፊቐ። ከም ሰብ ክትጽብጽበኒ እትኽእል ሃገር ጥራይ’ያ ተድልየኒ። ኣብ ኤርትራ ንሱ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንሱ ተደጋጊሙኒ። በጃኻትኩም ሰብ ክኸውን ሕደጉኒ…” ዓው ኢልካ የእዊ ይመጸኒ ኣሎ። 

     ግደ ሓቂ ምስዚ ላዕለዋይ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ካብ ዘውጋዕክዎ ዕላላት፣ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተማላእክዎ ምስ ዓተር ዝተሓንፈጸ ቆሎ ስገም ይጥዕም።

     ዘናውጽ ኣርእስታት እናኸሸንቡበኒ፣ እንኮ ሩፍታይ ሂሩት ነበረት።  ሂሩት፣ ኣስመራ ክትዛወር’ያ ትምነ። መዛዘምቲ ዕላላ ከኣ “ኣይ! ኣንድ ነን እኮ፣” ጥራይ’ ያ። ኣብሊጸ ዝፈተኹላ ከኣ መልሲ ዘይትጽበየኒ ምዃና’ዩ። 

     “ኣበይ’ባ ተማሲ፣” ሃንደበት ሓተት ሂሩት። ኣብ ጻልጣ መቑሎ ቡን፣ እናካወሰት።  ዝተጨጨፈ ዕፉን፣ ማይን ጨውን ተረብሪብዎ፣ ኣብ መቖሎ ከይሐመሰት ቡን ኣይቕረብን’ዩ። ቁርሲ ቡን ምዃኑ’ዩ። ቡን ብዕጣንን ሰትን ክትስነ ኣለዋ። ንቡን ማዕረግ’ያ ተውጽኣላ። ኣምልኾ ክሳብ ዝመስል።

     ኩዕሶ ክርኢ ምስ ዝፈልጦም ኣብ ኣኽሱም ሆቴል ከምዘማሲ ኣይሓባእኩላን። ፍቓደኛ እንተኾይና’ውን ሓደ ምሸት ሓቢራትና ከተማሲ ሓተትኩዋ። ስፖርት እንዶ የብላን። ምሳና ከተማሲ ግና ባህታ ሃባ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝያዳ ምስ ዝቐረብክዎም መሳድድተይ ጽቡቕ ሌላ ገበረት። ዘለናዎ ቦታ ኣጽኒዓ፣ ብዘይቖጻራ እትመጸሉ ግዜ’ውን እናበዝሐ ከደ። 

     “ሰንበት ናይ ምሸት’ባ ቆጸራ ኣይትሓዝ፣” ህውኽ እናበለት’ያ።

     ስደተኛ እቲ ዝዓበየ መኽሰቡ፣ ዘይባኽን ግዜ ምውናኑ’ዩ። ሰንበት ምሸት ኮይና ተሪፋ ምስ መሳድድተይ’የ ከሕልፋ። እንተዘይኮይኑ ናብ ዝኸዶ’ውን የብለይን። ሂሩት ዝሰርዓትለይ ቆጸራ ምጽባይ፣ ስራሕ ዝተፈጥረልይ ኮይኑ ተሰምዓኒ። 

     ሰንበት ምሸት ምንእቲ ርእሳ ኣኺላ። 

     መቋጸሪና ቦታ፣ ኣንጎሎ ናይቲ እንነብረሉ ገዛውቲ ሃያ ሁለት’ዩ። ሂሩት ብማዕዶ በካይድኣ ትልለ። ኣከዳድናኣ ካብ ንቡር ዝተፍልየ ነበረ። ዝተመሳቐለ ጻዕዳ ነጸላ  ተጎልቢባ’ያ። ምናልባት ዝብጻሓ እንዳሓዘን ኣለዋ ሓሰብኩ። 

     መታዓቢቲ ኣኽርያ ታክሲ እናበሉ ዝቕልድሉ መንእሰይ ዘኪረ። መርዓን ሓዘንን ነንዝበጽሓ ደቂንስትዮ ብምምልላስ ዝተፈልጠ ምዃኑ’ዩ “ታክሲ” ዘልገብሉ ዕባያት ኣኽርያ። 

     ጎኒ ጎኒ ተመዓራሪና። መንገዲ ክትመርሕ ጀመረት። ንኢድ የማን ተጠዊና ናብ ቦሌ መድሃኔኣለም ዝወስድ  ጎደና ሓዝና። ቤት ክርስትያን ቦሌ መድሃኔኣላም ካብ ዘለናዮ 20 ደቓይቕ’ዩ እንተረሓቐ። ኣብ ኣፍደገ’ቲ ቤተ ክርስትያንን ከባቢኡን ህዝቢ ተኣኪቡ ይርአ። ሽምዓን ጥዋፍን ዝገዝእ፣ ዝምህለል፣ ዝሳለም መቑጸሪ ኣይነበሮን።  ሂሩት፣ ኣብ ቅድሜና ናብ ዝነበረ ቆልዓ ሰጊራ፣ ክልተ ጥዋፍ ገዚኣ። ኣብ ኣፍደገ ኣብሪህናየን ከኣ ናብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ ቤት ክርስትያን ኣቶና። 

     ጥዋፍን ሽምዓን ዘብርሁ መጻምዲ፣ ኣብ እግሪ ኣግራብን ጸግዒ’ቲ ቤተክርስትያንን ጉጅም ይብሉ። ሱባኤ’ዩ ዝመስል። ብተዛማዲ ዝባሕተወ ቦታ መሪጽና ኣብራኽና ዓጸፍና። ንዝተወሰነ ደቓይ ኣብ መንጎና ዝርርብ ኣይነበረን። 

     “ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንታይ ኢኻ ትገብር ዘሎኻ፣” ሕሹኽ ኢላ’ያ።

     “ስደተኛ’የ፣” ክናሳሕ ዝመጻእኩ ኮይኑ እናተሰምዓኒ። 

     “ኢሚግሬሽን ይሰርሕ’የ ዝብልካና ሓሲኻ ኢኻ ማለት ድዩ?”

     ኢሚግሬሽን ናይ ኢትዮጵያስ ይትረፍ ኢሚግሬሽን ናይ ኤርትራ’ውን ርእየዮ ዘይፈልጥ ምስ ምዃነይ  ኣግረመኒ። 

     “ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛ’የ ኔረ። ናብ ኢትዮጵያ ሰጊረ ከኣ ዑቕባ ሓቲተ፣” ኢምግሬሽን እትብል ኣርእስቲ ደጊማ ከይተልዕላ እናተመነኹ።  

     ንፋስ ንየው ነጀው ስለዘበለን፣ ጥዋፋ ንምጥፋ ሰልከይከይ በላ። ካብ ሕቶ ወዲ ሕቶ እንተወጻና ካብ ምባል

      “ካልእ ጥዋፍ ዶ ክገዝእ?” ሓተትኩ። 

     “ኣይ ይሄ ይበቃል” ተወሳኺ ሕቶ ከምዘለዋ ተምስል።

     “ኣዚ ኣብ ኣጻብዕትኻ ዘሎ ካትም ናይ ምንታይ’ዩ? ተመርዒኻ ዲኻ?” ካብ ዝፈራሕኩዎ’ውን ኣይወጻእኩን።

     “እወ… ሰበይቲ ኣላትኒ፣ ኣብ ካልእ ሃገር ኣላ” ከተስዕቦ ንእትኽል ሕቶ እናተጸበኹ።

     ሂሩት ሕቶ ይኹን ርእይቶ ኣይቀጸለትን። ኣብ ሞንጎና ስቕታ ዓሰለ። መሬት መስዩ’ዩ። ኣብ ቤተክርስትያን ዝነበረ ህዝቢ’ውን እናወሓደ ከደ። 

 

                                                ++++++++++++++++++++

 

     ሬድዮ ወጋሕታ ቃለ መጠይቕ ክንገብር ስለዝበሉ ቦታ ፈሊና ተቛጸርና። ኣብ ኣህዱ ምክትታልን ምድላውን ዜና ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበርኩለን እዋናት፣ ዝዓበየት ኣተኩሮና’ያ ኔራ ሬድዮ ወጋሕታ። ካበይ ትፍኖን ኣባላታ መነመን’ዮም መጽናዕቲ ዘካይዱ’ውን ኔሮም። ካብ መቐለ ከምእትፍኖን፣ ንስሙ’ውን ሓደ ዝጽዋዕ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዘይምህላዋን እናሻዕ ዝድገም ኣርእስቲ ኮነ። 

     ስሑው ጸጉሪ ርእሱ መንእሰይ’ዩ። ዝወረሮ ማዳ ገዲፍካ፣ ምልኩዕ መንእሰይ ምዃኑ የፍልጥ። ላህጃ ትግርኛኡ ናይ ኣስመራ’ዩ። ወዲ ባጽዕ ከምዝብሃል’ዩ ሓቢሩኒ። ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ዝነበርክሉ እዋን ጨዓይ ወዲ ባጽዕ ዝብሃል ኣበርካቲ ጽሑፋት ምንባሩ እዝክር። ብገጽ’ውን ስለንፋለጥ፣ እዚ ወዲ ባጽዕ’ዚ ንሱ ኣይኮነን። ዕላላቱ “ኤርትራ ዓድና ከምዚ ተኾነት፣ ከምዚ ተተፈጥረት’ዩ።” ኤርትራዊ ምዃኑ ክነግረኒ ዘይጥቐመሉ ኣኳላም  ኣይነበረን። ዘገድሰኒ ኣይኮነን። ንናይ ፕሮፖጋንዳ ሜድያታት ጋሻ ኣይኮንኩን።

     መብጽዓ ለካቲት – ሬድዮ ደምህት-ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝተመስረተትሉ ኩነታት ኣዘኽኺሩኒ። ኣብ ጋዜጣ ክፍሊ እንዳስእሊ፣ ሓላፍነት ዘይብሎም ገዳምይ ሰኣልቲ በዚሖም ስለዝተባህለ፣ መፈግፈጊ ቦታ ክደላደል ተወሰነ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ናብ ዝነበርናያ ኣሃዱ ምድላው ዜና ወጻኢ ሓላፊ ኮይኑ መጸ። ወዲ ተኻሊ፣ ንፉዕ ናይ ካሜራ ሰኣላይ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ወዲ ተኻሊ፣ ንምድላው ዜና ጋሻ ምዃኑ ገዲፍካ፣ ናይ ስራሕ ሰዓታት ብምኽባርን ካልእ ስነ ምግባሩን ንኡድ’ዩ። ኣራሚ ዜና ኮይኑ ምምዳቡ፣ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ንባዕሉ’ውን ጸቕጢ ከይገበረሉ ኣይተረፈን። ወዲ ተኻሊ ኣብ ከምዚ ኩነታት እንሃለወ ከኣ መብጽዓ ለካቲት – ሬድዮ ደምህት ጀሚራ ሰለይ ኣብ ምባል ነበረት።

     ካብ ሰራዊት ተሳሒበን ዝመጻ ሰናይትን ብስራትን ከምኡ ድማ ገዳይም ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ካሕሳይን መምህር ኣማረ ወልደስላሴ ካብ ፈለምቲ ኣባላት እታ ሬድዮ ኮኑ። ሰናይት ጸሓፊት ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሬድዮ ዝነበር ኮይና፣ ክትፋኖ ተደጋጋሚ ኣብ እትሓተሉ ዝነበረ እዋን’ያ ናብ ሬድዮ ደምህት ዝተመደበት።

     ናብ ዝተመደበቶ ሓድሽ ናይ ስራሕ ቦታ ክትግዕዝ ተገዲዳ ጥራይ ከይኣክል፣ ላህጃ ናይ ትግራይ ትግርኛ’ውን ከተጽንዕ ምግዳዳ እዝክር። ፍጻሜታት መብጽዓ ለካቲት ምስ ሰናይት ኣብ ለገሰ ሆቴል እናሻዕ  ተዋዚናሉን ስሒቕናሉን ኢና። ሰናይት ኣመሪካ ድሕሪ ምእታዋ’ውን ከም ዋዛን ቀልድን ከየልዓልናዮ ኣይሓለፍናን።

     ምኩር ጸሓፍን ክኢላ ቋንቋ ትግርኛን መምህር ኣማር ወልደስላሴ፣ ስለምንታይ ኣባል እዛ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝቐንዐት ሬድዮ ክኾኑ ተደልዮም ዝፈልጦ የብለይን። መምህር ኣማራ ካብ ዘድንቖም ክኢላታት ቋንቋ ትግርኛ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ሓጸርቲ ልቢ ወለድ ብምትርጓም ብዝሒ ዘለዎም ኣንበብቲ ዘጥረ’ዩ ስነጥበባውን ክቡር መምህርን’ዮም። ብዘይካ’ዚኣቶም’ውን ኣለም ዝተባህለ ተጋዳላይን ካልኦት ኤርትራውያንን በብእዋኑ ኣባላት እዛ ናይ ደምህት ሬድዮ ብምዃን በብእዋኑ ተጸንቢሮማ’ዩ። 

     ወዲ ተኻሊ ሓላፊ ናይዛ ሬድዮ ኮይኑ ምምዳቡ ዝያዳ ኩሉ ዘገረመ ነበረ። ስራሕ ብካሕሳይን መምህር ኣማረን ይእለ፣ ስም ሓላፍ ድማ ወዲ ተኻሊ ይጽሓፍ። ሬድዮ ደምህት ቀስ ብቀስ ዝሕወሱዋ ኢትዮጵያውያን እናረኸበት ናብ ቴሌቪዥን መብጽዓ ለካቲት ንምዕባይ ተጋዲላ። ካብ መቐለ እትፍኖ ሬድዮ ወጋሕታ’ውን ካብዛ ካብ ኣስመራ ትፍኖ መብጽዓ ለካቲት ዝፍለ ተሞክሮ  ይህልዋ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን።

     ብዝኾነ ወዲ ባጽዕ መቕረጺ ድምጺ ኣዳልዩ። ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ ዝብልክዎን ዝኣምነሉ ሓሳባትን ነጊረ ናይ ኣስታት ክልተ ሰዓት ቃለ ምልልስና ተዛዚሙ። 

     ሂሩት ብዛዕባ’ዚ ናይ ሬድዮ ወጋሕታ ውዕሎይ ትፈልጦ ኣይነበራን። ምናልባት ካብ ተኸስተ እንተዘይሰሚዓ። እንተትፈልጥ’ውን “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንታይ ትገብር ኣለኻ፣” ኣይምሓተተትን።

 

                                          +++++++++++++++ 

 

Bole2

     ካብ ቤት እንዳ ማማ ኣለምጸሃይ ካብ ዝወጻእ ወርሐይ ቀሪቡ ኣሎ። 

     ሂሩት ካብኣ ንምርሓቕ ቤት ዝቐየርኩ’ዩ መሲሉዋ። ርክብና ብዝያዳ ክተርር ብዝተዓዘብት ግና ስለምንታይ ካብ ቤቶም ክወጽእ ከምዝደለኹ ደጋጊማ ካብ ምሕታት ኣየዕረፈትን። ከቢሩኒ ዝብል ምኽንያት ጽቡቕ መዕጸዊ ኣፍ’የ ረኺበላ።

     ጉዳይ ተኸሰት ብዙሕ ስለዘይቕሰነኒ፣ ደሃዩ ደጋጊመ ሓተትኩዋ። 

     “ሰብኣየይ ድዩ መሲሉካ፣” ክርትም ኢላ ሰሓቀት። 

     ሰሓቓ፣ ንስሩዕ ኣስናና ጽባቐኡ ብምልኣት ከስተማቕሮ ዕድል ሂቡኒ። ኩሉ ግዜ እንተዘስሕቃ ተመነኹ። ብዘይስኽፍታ ኣፋ ካብ ጻት ክሳብ ጽጽጽጻት ከፊታ ምስሓቓ’ውን ኣብ ጽባቐ ኣስናና ዘለዋ ምትእምማን ከይኮነ ኣይተርፍን።

     ዕላላ ምቁር’ዩ። እንተመጺጹ፣ “ኣይ! ኣንድ ነን እኮ” ጥራይ’ዩ። ኣብ ኣኽሱም ሆቴል መማስይተይን ናይ ኣዲስ ኣበባ መሳድደትይን’ውን ኣይጸልኡዋን። ኣብ መንጎና ምህላዋ፣ መማቕርቲ ኮነት። ንስደትና ቀመም’ያ ሂሩት ጸጋዮ ታፈሰ።

 

                                            +++++++++++++++

 

     ቀዳም ንግሆ።

     ኣንጊህና ምስ ወጻእና ኢና። ለሚደያ ግዲ ኮይነ፣ ከይርኣኹዋ እንተውዒለ ቅሳነት ኣይስምዓንን።

     ኣብ ላፍቶ፣ ዕጫ ኣብ ዝበጽሓ ኮንደሚነም፣ ምሳሕ ከተዳሉ ተሰማሚዕና፣ መሳድድተይ ጋቢዘ ኣለኹ። ድሕሪ ምሳሕ ዝኽየድ ቦታ ኣሎና። መሃንድሱ ሂሩት’ያ። 

     ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ብጽምዋ ትወሓጠሉ ግዜ’ዩ። ዘይትድቅስ ከተማ፣ ዕረፍታ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ’ዩ። ብዙሕ ካብ ነባሪኣ፣ ኣብ በርጫ’ዩ ዝጽመድ። በርጫ፣ ናይ ጫት ስነ ስርዓት ምዃኑ’ዩ። ሂሩት ተኻፈልቲ’ዚ ናይ ቀዳም ጽንብል ክንከውን ዘቕረትልና ዕድመ ኣይነጸግናዮን። ኣብ ሮማ ከም ሮማውያን ክንመስል ኢና መጺርጽና። ዋላ’ኳ ኣዲስ ኣበባ ንሮማ ዘይትመስል እንተኾነት።

     መገናኛ፣ ናብ ሐመድ መንገዲ ዘእቱ ነዊሕ ተጓዕዚና፣ ዝበጻሕናዮ ቪላ፣ ደጊኡ ሰብ ዘለዎ ኣይመስልን። ውሻጤኡ፣ ብጫት፣ ዝሃግግ ሽታ ሺሻን ቡንን ፉሕ ዝበለ ክፍልታት መሊእዎ’ዩ። 

     “ቅዳሜና በርጫ፣” እናሰሓቐት መሪሓትና ናብ ሓደ ካብዚ ክፍልታት ኣተወት። ተኸቲልና ሰዓብናያ።

     ኣወዳትን ኣዋልድን፣ ሓሙሽተ መንእሰያት ተዛንዮም ጸንሑና። ሓደ ካብኣቶም ተኸስተ ነበረ። ካብ ዘይንራኸብ ሰሙናት ምስ ምሕላፉ፣ ኣጥቢቕና ሰላምታ ተለዋወጥና። 

     ተኸስተ ኣብ ገጹ ጽልኣት ይንበብ ነበረ። ‘ቅንኢ’ዩ ዝኸውን’ ውሽጠይ ሓሰበ።  መቓምጦና ሒዝና ንሰብና መስለና። ሂሩት ወድያቶ ዝመጸት ጂንስ ዝዓይነቱ ስረ ቀይራ፣ ደሪዕ ተኸዲና ኣብ ጎድነይ ተጎዝጎዘት። እናመንገወት ኣቑጽልቲ ጫት እናቀንጠበት ምስ ፉል ሓዊሳ ተንክሰኒ ነበረት። ከቢቡኒ ዝሓገየ ጭንቀትን መፍትሒ ዝሰኣንክሎም ሓሳባትን ከመቅጽበት ክበኑ ረኣኽዎም። ፍዅስ ኢሉኒ። መልሓሰይ ሚዛኑ ክውስኽ ይርድኣኒ ኣሎ። ፍሉይ ውዕሎ’ዩ። ዘዛኒ ውዕሎ ቀዳም። ዕላልና ምስ ተኸስተ ግና ናይ ቀልዓለም ነበረ።

     ኣማስያኡ፣ ናይ ጫት ምርቓና ክስበር ኣለዎ ስለዝበሉ፣ ጉዕዞና ናብ ሃያ ሁለት ባር ዝናሽ ኮነ። ዝወዓልናዮ ሙድ ከይበላሾ ካብ ብታክሲ( ናይ ኣዲስ ኣበባ ሚኒናባሳት) ብላዳ ኩንትራት ክንሕዝ መረጽና።

     ባር ዝናሽ፣ ናብ ባንኮ ዝቐረባ ሰለስተ ባለጌ ወንበርን ሓንቲ በዓል ኣርባዕተ መናብር ጠረጴዛን እንተዘይኮይኑ ካልእ የብላን። ካብ ዘለዋ ብዝሒ መናብር፣ ዘብለጭልጭ ሕብሪ መብራህታ ይበዝሕ። ዝናሽ ናብ ሃያ ሁለት ካብ ዝመጻእናሉ ሰሙን ዝተላለና’ያ ወናኒት ቡና ቤት’ያ። 

     ተደፋፊእና ብዝኣተና፣ ተቐዳዲማ ማዕጾ’ያ ዓጽያ። 

     “ዝሰኸሩ ከይርብሽኹም፣” ሰፊሕ ፍሽኽታ እናሰነየት’ያ።

     ኣውራ’ኳ ምስ ሪኮ ብቋንቋን ባህልን ግርም ስለዝተረዳድኡ ኣመና’ያ ትሓልየሉ። ሪኮ፣ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ተኽለሃይማኖት ተወሊዱ ዝዓበየን ኣብ እዋን ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኤርትራ ዝተሰጎን’ዩ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ከኣ ናብታ ዝዓበየላ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶብ ሰጊሩ ክምለስ ክኢሉ ኣሎ።

     ሮቤል’ውን  ስቕታ ዝመዘኖ፣ ዓቓል ኣሚቸ’ዩ። ዝበዝሑ ስድራቤቱ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ምስ ምዃኖም ብዛዕባ ናብራ ብዙሕ ኣይጭነቕን። መንግስ ማዕረይ ንኣዲስ ኣበባ ጋሻ’ዩ። 

     ንሂሩት ዝመቸአ መቓምጦ ሂብና ኣማእከልና’ያ። ቴዲ ኣፍሮ፣ “ዳህላክ ላይ ልስራ ቤተ” እትብል ደርፉ ብዓውታ ነታ ጸባብ ቡና ቤታ ከፍርሳ ደለየ። ዝናሽ ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን ሓደው የማነ ባርያ፣ ሓደው ኣብርሃም ኣፈወርቂ ሓደው ድማ ቴዲ ኣፍሮ ክትውልዓልና ልማድ ጌራቶ ነበረት።  ምስዘን ደርፍታት ፖለትካዊ ቀመስ ዕላላት ምቁሳይ ድማ ልማድና ነበረ።

     “ኤርትራ ናጽነታ ምስ ረኸበት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ካሕሳ ክሓትት’ዩ ኔርዎ፣” ሪኮ’ዩ ፈላሚት ምዕጎ ቢራ ቅድሱ ጊዮርግስ እናጎርደዐ።

     “ሃይለስላሴ ኣይተበል መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ገበናት መንግስቲ ኤርትራ ሕጋዊ ካሕሳ ክሓተሉ ኔሩ፣” ኣርእስቱ ኣትሪሩ ደገማ።

     “ሓቅኻ ኢኻ። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ በደል ክትክሕስ ዓቕሚ ዋላ እንተዘይብላ፣ ሕጋዊ መዕለቢ ግና ክህልዎ ኔርዎ። ግቡእ’ዩ፣” ንዘረባ ሪኮ ደጊፉ መንግስ ርእቶኡ ሃበ።

     “ቁስልኹም ኣይትሕከኹ’ሉ መለስ ዜናዊ ኣብ ኣስመራ ዛዚምዎ’ዩ፣” ርእይቶ ክህብ ስለዘሎኒ ዘምጻእክዋ ሓሳብ’ያ። እንተዘይኮይኑ፣ ሕጋዊ ካሕሳን ቁስልኹም ኣይትሕከኹን ዘራኽብ ከምዘይብሉ ይርድኣኒ’ዩ።

     “ቁስሊ ደኣ ተሓኺኹስ፣ ብዝበኣሰ’ኳ ረኺሱ፣” ሮቤል ካብ ስቕታ ተበራበረ።

     “ኣንታ’ዚኦም ‘ኮ ቁማርጂታት’ዮም። ብናይ ብርንጂ ዝተበኣሱ ቁማርጂታት፣” ፊልሞን ሞሻ ባህርያት መራሕቲ ሻዕብያን ወያነን ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ሓረግ ነበረ። 

     ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ እንዳ ሕጽኖት ዕሉል ቁማርጂ ምንባሩ ክውረየሉ ሰሚዐ’የ። ንውዕሎ ቁማርን ባእሲ ናይ ብርንጂን ሕጉገይን ሕጉግካን ጽቡቕ’ዩ ዝርድኦ። ዝድነቕ ርድኢት’ዩ።

     ፊልሞን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዩ። ግጭት ኢትዮ – ኤርትራ ኣብ ዝተወልዓሉ ወላዲቱ “ትግራወይቲ ኢኽን” ተባሂለን ካብ ኤርትራ ተሰጕገን’የን ጸኒሐንኦ። ትግራዎት ኢኽን ተባሂለ ዝተሰጓ ኣዴታት፣ ድሕሪ ምስጓገን  መስዋእቲ ደቀን ብወገን ዝተነግረን ዝተነግረን ህዝቢ ኣኽርያን ዕዳጋ ዓርብን ሓቢሩ ዝሓዘነሎም መንእሰያት ብቐረባ’የ ዝፈልጥ።

     ወላዲቱ ‘ኢትዮጵያዊት’ ኢሎም ሰጕጎመን ከብቕዑ፣ ንፊልሞን ግና ካብ ሰራዊት ምፍናው ኣበይዎ። መወዳእትኡስ  ብሓገዝ ቀይሕ መስቀል መረብ ተሳጊሩ። ፊኖ ወደስመራ ምዃኑ ዕላላቱ’ዩ ዝምስክረሉ። ተወሊዱ ዝዓበየላ ኣስመራ፣ ብፍቕሪ’ዩ ዝዝክራን ዝናፍቓን። ካብ ፍቕሪ’ዛ ከተማ ዝኾለፎ ባህርያት ‘ሻዕብያ’ ጥራይ’ዩ ኢሉ ኣይሓምን። ንሻዕብያን ወያነን ብማዕረ’ዩ ዝውንጅሎም። ዕላላቱ ወዝብን መስሓቕን’ዩ። ኣብ ባር ዝናሽ ቀዲሙና’ዩ ጸኒሑ። 

     ሞሻ፣ ዘምጽኦ ሓሳብ፣ ናብ ግጥሚ እንግሊዛዊ ወትሃደር ዊልፍረድ ኦወን’ዩ ኣገማዲሑኒ። 

     ዊልፍረድ ኦወን፣ ኣብ ቀዳምይ ኵናት ዓለም ወትሃድር ዝነበረ’ዩ። ምስ ዘይፈልጦም መንእሰያት፣ ብርሱን ሃገራዊ ስምዒት ትህንዅት ድሕሪ ምውዓሉ ዝመጸቶ ግጥም’ያ። ካብ ፍልስፍናዊ ግጥም ሆሜር ተለቂሑ ድማ’ዩ ‘ዱልቸ  ኤ ደ ኮሩም ኤ ፕሮ ፓትርያ ሞሪ፣’ ዝብል ኣርእስ’ቲ’ዩ ሂቡዋ። ብጥቕሉሉ “ንዓደ’ቦኻ ሙማት ሓላል’ዩ” ክትርጎም ይከኣል። ‘ንዓደቦኻ ሙማት ሓላል’ዩ’ ዝበለየ ፕሮፖጋንዳ’ዩ። ‘ኣንቱም ንዓደቦኻ ሙማት ሓላል’ዩ እትብሉ ድማ ቅድምም ቀዳድም ንስኻትኩም ሙቱ’ዩ፣’ ውሻጠ እዛ ግጥሚ። ኣብ ወጻኢ ንዝበሩ ደገፍቲ ህግደፍ’ ዝተገጥመት’ያ ትመስል።  

     ኣብ ኣብያተ ሻሂን ባራትን ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸብና ሓያሎ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ቢራን ሻሂን ተገባቢዝና ኢና። ካብ ኣኪሊስ ክሳብ ኣሌክሳንደር፣  ካብ ናፖልዮን ክሳብ ሂትለር ንከንቱ ንዝሃለቀ መንእሰያት እናሓሰብኩ ናይ መወዳእታ ምዕጎ ቢራ ናብ ኣፈይ ገልበጥኩ።

     “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ጉርብትና ዕርቒ’ዩ ዘድልዮም። ሰላም እደሊ’ሎ እዚ ህዝቢ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ኤርትራ ተነጺላ እናበለ ሚኒን’፣ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ‘ኢትዮጵያ ዝበደለትና እናበለ ሕኒን’ ክብሉ’ኮ ሰላም ስኢኖም፣” መዛዘሚ እንተኾነት ዘምጻእኩዋ ሓሳብ’ያ።

     “ክላ ናይ ኢትዮጵያ ሲ ግደፈና። እቲ ናጽነት ኤርትራ ዘርከበ ወለዶ፣ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ እናበለ ሕኒን ክብል’ዩ። እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ፣ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላያ ብምስትንታን ክዝክሮ’ዩ። እቲ ስዑቡ ዝመጽእ ወለዶ ከኣ’ሞ ኤርትራ ሓደ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ምንባራ’ውን ኣይክፈልጥን’ዩ፣” መንግስ’ዩ ኣእዳዉ ንየው ነጀው እናሰንደወ።

     መንግስ ዘንቀሎ ሓሳብ፣ ኣይሁዳዊት ሃገር ዝመስረቱ ፈለምቲ መራሕቲ እስራኤል ኣብቲ ፈለማ ንዕግርግር ህዝቢ ፍልስጤም ዝሃብዎ ምላሽ ምንባሩ ኣብ ገለ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ምንባባይ ትዝ በለኒ። 

     ዕላልና ዝዛዘም ኣይመስልን።

     ካብ ባር ዝናሽ ናብ  ኣስመራ፣ ባር ውሪሕሪሕ ሰለይ እናበልኩ ኣተኹ። ኣባላት ዜና በብጉጅለ ብሽቁረራ ቀልባዕ እናበሉ ሕሹኽሹኽ ክብሉ ርኣኽዎም። ኣብ ባር ዝናሽ ዕላላት ኣፍካ መሊእካ’ዩ። ሓርነት ዝብልኹም ከምዚ’ዩ።

     ሂሩት ኣብ ኩሉ’ዚ ርሱን ዕላላት ተዓዛቢት ጥራይ’ያ ኔራ። ብትግርኛ ምስ ምዃኑ ዕላልና ንሂሩት ጓና’ዩ። ብዛዕባ ሃገር ንዛረብ ምህላውና ኣይዘንግዓቶን። “ኤርትራውያን ካልእ ዕላል የብልኩም፣” እናሻዕ’ያ ትደጋግም። ምናልባት ሓሳባት ለግሲ እንተትብሃል፣ “ኣይ! ኣንድ ነን እኮ” ካብ ምባል ካልእ ተምጽኦ ከምዘህልዋ ርግጸኛ’የ። ካብ ሂሩት እንጽበዮ ፍሽኽታ ክሳብ ዝኾነ ግና እዚ ምሉእ ዘይጉድል ለጊሳትልና’ያ።  

     “መስተ ዘብዝሕ ዝገብሮ ኣይፈልጥን። ዝገብሮ ዘይፈልጥ ሓጢኣት የብሉን። ሓጢኣት ዘይብሉ ናብ ገነት’ዩ ዝኣቱ….።” ኣብ ኣስመራ፣ ባር ዲያና ዘንበብኩዋ ጥቕሲ’ያ መስለኒ።

 

                                              ++++++++++++++++++

 

Addis taxi

     ኣዲስ ኣበባ፣ ለይቲ ዝጀመረ ሓያል ዝናብ ገዚኡዋ’ዩ ሓዲሩ። ንግሆ’ውን ይኻፊ ምስ ምንባሩ ደገ ምውጻእ  ኣይመረጽኩን። ኣዲስ ኣበባ ዝበዝሐ ባህርያታ ለሚደዮ እኳ እንተኾንኩ፣ ዋላኻ ጭቃኣ ከም ልበይ ዝዓማጥቖ ኣይነበርኩን። 

     “ደብረብርሃን ዘይትኸይድ ምሳይ?” ሂሩት’ያ ቦርሳኣ እናፈታተሸት። 

     ቅድምኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ፋርማሲ ኣላጊሳ ነበረት’ሞ፣ እንታይ ትፍትሽ ምህላዋ ኣይዘንጋዕኩን። ንእግረ መንገዳ’ውን ኣብ ሞባይላ ካብ ዝነበረት ደርፊ ሃመልማል  ‘ልኑር’ ክሰምዓላ ጋበዝትኒ። ንደርፊ ዝተሓዝአ ክፋል ሓንጎለይ ኣመና ቁንጣሮ ግዲ ኮይኑ፣ ደርፍታት ናይ ምስትምቓር ልምዲ የብለይን። ግብዣ ሂሩት ከየዕብር ግና፣ ተጋዲመ…..

                                                    ልኑር፣ ካብተ ጋራ ልኑር፣

                                                    ትሁን፣ ኣለም ሙሉ ትሁን

                                                    ላስብበት እንዳትለኝ ኣሁን

                                                   እሺ በለኝ፣ ፍቃድ ያንተ ልሁን……. 

 

     …..ይሰምዕ ኣለኹ። ሂሩት፣ ከናፍራ ብምርግብጋብ ንሃመልማል ትስዕባ። 

     “ደብረብርሃን ደኣ እንታይ ኣሎ?”

     “እማየ ናብ ሓዋ ገንዘብ ክትሰድድ’ያ እሞ ከብጽሓሉ’የ፣”

     ደብረብርሃን  መበቆል ዓዳ’ዩ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ክዛወር ደለኹ። ግን ከኣ ዘሎኒ ናይ ስደተኛታት መንነት ወረቐት ንኣዲስ ኣበባ ጥራይ ከምዘገልግል ብቀይሕ ደሚቑ ተጻሒፉሉ’ዩ። 

     “ኣብ ደብረብርሃን መስተፋቕር ክትገብርለይ፣” እናተዋዘኹዋ’የ።

     “ክንደይ ሸበላ እናሃለወሲ ንዓኻ ኩፉእ ደኣ እንታይ ኮይነ ኢለ መስተፋቕር ዝገብረልካ፣” ንዋዛ ብዋዛ መሊሳ።

     “እሞ…ካብ ኣዲስ ኣበባ ክወጽእ ፍቓድ የብለይን?” ሓውሲ እንተዘይከድኩ ይሕሸኒ ዝዓይነቱ’ዩ።

     ሂሩት ዝብላ ዝለኹ ክርድኣ ግዜ ወሲዱ። 

     “እንታይ ማለትካ ኢኻ፣ መስተፋቕር ናይ ሓቂ ድዩ ኣፍሪሑካ፣”

     ‘ኖ! ማለት’ሲ ዘሎኒ ታሴራ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ከንቀሳቕሰኒ ኣይክእልን’ዩ፣” ንጹር ሓበሬታ ሃብኩዋ።

     “ታሴራ ሒዘ ኣይፈልጥን’የ፣ ሓቲቱኒ ዝፈልጥ ሰብ ከኣ የለን፣” ሕጂ’ውን ቁሩብ ዘይበርሃላ ነገረ ከምዘሎ ተረዲኡኒ’ዩ። 

     ካብ ጻት ንጻት እዛ ሰፋሕ ሃገር መንቀሳቐሲ ዝሕትት የሎን። ዝብላ ዘለኹ ክርድኣ፣ ሂሩት ኤርትራዊት ክትከን ኔሩዋ። 

     ኢንጂነር ምስግና ካብ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ’ዩ። ነታ ኣብ ሳዋ ዝነበረት ሬድዮ፣ ናብ ዲጂታል ንምቕያር ካብ ባንክ ኣባይቲ ኤርትራ ብግዝያውነት ተቀይሩ ዝኸደሉ ግዜ ዘከርኩ። ህይወት ግዝያዊትትን ብግዝያውነት ጥራይ ትመሓደር ምዃናን ግርም ክስወጦ ዝደሊ ፍላስፋ ኣብ ኤርትራ ምንባር የድልዮ። ኢንጂነር ምስግና’ውን ብግዝያውነት ናብ ሳዋ ወሪዱ። 

     ብሕማም ምኽንያት (ዝያዳ’ኳ ንዕረፍቲ ምባሉ ይቐልል) ናብ ኣስመራ ተላእከ። ዝተዋህቦ መንቀሳቀሲ ካብ ሳዋ ናብ ኣስመራ ዝብል ነበረ። ነገረ’ያ ኣጋጣሚ ናብ ባጽዕ ንብገሰሉ ሰሙን ነበረ’ሞ ምስግና ሓቢሩና ክገይሽ ግዲ በልና’ዮ። ንሱ’ውን ሳዋ ምስ ምሕጋዩ፣ ማሳዋ እንተተሸራሸረ ኣይጸልኦን። ተተሓሒዝና ድማ ገርግሱን ወረድና። ኣማስያና ናብ ማእከል ባጽዕ ነምርሕ ኣሎና። ከባቢ ፍርቂ ለይቲ’ዩ። ካብ ርሑቕ “ደው በል” ዝብል ወትሃደራዊ ትእዛዝ ተሰምዐ። ኣብ ኤርትራ ዝተለምደ ወትሃደራዊ ትእዛዝ’ዩ። 

     “መንቀሳቐሲ?” ሓተቱ። 

     ናይ ዝበዛሕና ጸገም ኣይነበረን። “ካብ ሳዋ ናብ ኣስመራ ዝብል መንወሳቐሲ ሒዝካ ኣብ ባጽዕ እንታይ ትገብር ኣሎኻ?” ብድሆ ገጠሞ ንምስግና። 

     “ክዛወር፣”ሓጺር ምላሽ ሃበ። 

     ንኣባላት ሰራዊት(ኤም.ፒ) ዝያዳ ኣቖጥዖም። 

     “ሃገር ኣብ ከመይ ኩነታት ኣላ ንስኻ ድማ ክትዛወር መጺእካ፣” ዘስደምም ትንታነ ኩነታት ሃገር ደርጉሐ መራሒ እታ ጉጅለ። ሻፎ በትሩን ብረቱን እናወጣወጠ’ዩ። ማዕረ ንጉስ ተለመነ። ግደ ሓቂ ንጉስ እታ ጸላም’ዩ ዝነበረ።  ዝበዛሕና ኣባላት ዜና ምስ ምንባርና፣ ልመናና ኣየዕበረን። 

     “ምሕረት ጌረልካ ኣለኹ፣ ጽባሕ ግና ኣብዛ ከተማ ከይትርአ፣” ኣጠንቒቑ ኣፋነወና። 

     ድሕሪ’ዛ ዕለት’ዚኣ ምስ ምስግና፣  ካብ ካሊፎርንያ፣ ሳን ፍራንሲስኮ ብመንገዲ ለንደን ናብ ፓሪስ ክዛወር ኣብ ዝመጸሉ ኢና ተራኺብና። ዝባን ኣይፍል ታወር እናሓኾርና፣ ጉዳይ መንቐሳቀሲ ኣልዒልና’ውን ብዙሕ ሰሓቕና።

     እዚ ዕላል’ዚ ንሂሩ ጽውጽዋይ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንጉዳይ መንቐሳቀሲ ምስቲ ንላግጺ ዘምጻእናዮ መስተፋቕር እንተጣመረቶ’ውን ኣይሕዘላን።  ንዓና ንኤርትራውያን፣ ጉዳይ መንቀሳቐሲ፣ ዓጻጽምትናን ኣንጉዕናን ሓሊፉ ክሳብ መንፈስና ዝሰረጸ ፍርሒ ከምዝፈጠረልና ከረድኣ ግዜ ክወስድ’የ። ብዘይመንቀሳቀሲ ናብ ደብረብርሃን ክገይሽ ይቐለኒ።

     “ንስኺ ሕለፊ’ሞ ንጽባሒቱ ምስ መንግስ ከነርክበኪ ኢና፣” ውሳኔ ገበርኩ።

     ውሳኔይ ተቀቢላ ኣብ ዝቐጸለ ሳልስቲ ደብረ ብርሃን ተራኸብና። 

     ደብረብርሃን ከባቢኣን ዝተቐበለና ቀዝሒ፣ ንከባቢታት ሰንዓፈን ሰርሓን ኣዘከረኒ። ኮቦርታን እስቲባሎኒ ዝዓይነቱ ጫማን ዝወደዩ ሓረስቶት ምርእይ ልሙድ’ዩ። ኮቦርታ ተጎልቢቦም፣ ቆቢዕ ዝደፍኡ እኳ እንትኾኑ መብዛሕቶም ሓጺር ስረ ዝወደዩ’ዮም። ብኣግኡ ኣብ ሓደ ምዉቕ ቦታ ዓሪድና ኣውጋሕናዮ። 

     “ኣስመራ ካብዚ ርሑቕ ድዩ?” 

     “ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ኣለዎ፣”

     “እሞ ርሑቕ’ዩ።”

     “እወ ርሑቕ’ዩ። ግና ካብቲ ብኪሎሜተር ዝዕቀን ርሕቐት ንላዕሊ፣ ሻዕበያን ወያነን ዘረሓሓቑና ይርሕቕ፣”

     ብቋንቋ ኣምሓርኛ ልክዕ ክገልጾ ግዲ ዘይክኣልኩ፣ ሂሩት ኣይተረድኣን። እንቋዕ ከኣ ኣይተረድኣ።

     መረብ ንምስጋር ሰዓት ዘይወስድ መንገዲ፣ ልዕሊ 18 ሰዓታት ዝወሰደለይ ጉዕዞ ስግረ ዶብ ኣብ ኣእምሮይ እናተቐጀለ’ዩ። 

     “ኤርትራ እንተኸይደ እንታይ ይብሉኒ፣”

     “በየን ክትከዲ፣”

     “ብኣውቶቡስ ጌረ፣”

     “ዶብ ዕጹው እንድዩ፣”

     “በጣም ይገርማል፣ ኣንድነን እኮ፣” እንኮ ፖለቲካኣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መዛዘሚት ዕላል ለይትና ኮይና፣ ነናብ መዳቕሶና ኣምራሕና።

 

                                                    +++++++++++++++

 

 

Bole3       ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2010።

     ኣዲስ ኣበባ ናይ ኤሌክትሪክ ጸገማ ምሉእ ብምሉእ ክትፈትሖ እንተትኽእል ዕብየታ ይርኣየካ’ዩ። 

     መብራህቲ ዘለዎ ከባቢታት እናጽናዕኩ ፈቐዶ እንዳ ኢንተርነት ምጉያየይ ንሂሩት ኣመና’ዩ ኣሻቒሉዋ።  

     ካብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2009 እንዳ ኢንተርነት ብብዝሒ ምምልላስ ኣዘውቲረ ኣለኹ። ሂሩት እንታይ’ዩ ጸገመይ ክትፈልጥ ዘይምኽኣላ ረቢሹዋ’ዩ። 

     ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት መስቀል ፍላወር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ሓደ ክለብ ተኣኪብና ኣሎና። ሂሩትን መሓዙትና’ውን መቐረት ምሸትና ነበራ። 

     ካብ ብርካ ንላዕሊ ዝተንጠልጠለ ቀይሕ ቀሚስ ጻባቐ ወሲኹላ’ዩ። ካብ ማእከል ሳዕስዒት እናተደፋፋእና ንግዳም ሒዘያ ወጻእኩ። ምስቲ ኣብ ውሻጠ ዝጸንሐ ዳህሪ፣ ኣዲስ ኣበባ መፍረ በረድ ኮይና’ያ ተሰሚዓትኒ።

     “ድሕሪ ክልተ መዓልታት ክገይሽ’የ፣” ጎረረይ ዳርጋ ላሕቲቱ’ዩ።

     “ናበይ ኢኻ ክትገይሽ፣”

     “ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ፣”

     “ናብ ኣፍሪቃ ወይስ ኤውሮጳ”

     “ናብ ኤውሮጳ’የ ክገይሽ፣”

     መስተ ደሪኹኒ ዝግዕር ዘለኹ’ዩ መሲሉዋ። 

     “ደብረብርሃን ክትገይሽ ዝፈራሕካ ደኣ ከመይ ኢልካ ናብ ኤውሮጳ ክትገይሽ፣”

     “ብናይ ስደተኛ ምኽንያት’የ ክገይሽ፣”

     “በዓል ተኸስተን ካልኦት ኣዕሩኽቱን ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመት ጌሮም ብስደተኛ ዘይገሹ ንስኻ ኣብ ሓሙሽተ ወርሒ ከመይ ኢልካ ትገይሽ”

     እናነሃረት መጺአ። ሰሓቕ ጥራይ ዘይኮነ ሕርቓን’ውን የምሕረላ’ዩ። መስተ ዘህተፍትፈኒ ዘሎ’ውን ይመስላ’ዩ እናመንጎወት። ምርድዳእ ተሳእነ። ናይ ሓድሽ ዓመት ምሸትና ዳርጋ ብዕግርግር ተዛዘመ።

 

                                                         ++++++++++++++++  

 

     ዓርቢ 15 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ።

     መገሻይ ብክልተ ሰሙን ተደናጉ’ዩ ኣሎ። 

     ንሂሩት ብዛዕባ ኩነታተይ ከረድኣን ዝያዳ ዕድል ዝህበኒ መሰለ። ቴሌፎን ክትድውል ኮነ ጻውዒተይ ክትቕበል ፍቓደኛ ኣይነበረትን። 

     ኣብ ከባቢ ቦሌ መዓርፎ ነፈርቲ፣ መንግስ፣ ሪኮ፣ ሞሻን ሮቤልን ኣብ ዝተረኽቡሉ ንእሽቶ እንግዶት ተዳልዩ ኣሎ።  ሂሩት፣ ንጽል ሮዛ ዕንባባ ኣንጠልጢላ ብኣፈፌት ክትኣቱ ካብ ማዕዶ ረኣኹዋ። ሓጎስን ስንባደን ብማዕረ ወረሱኒ።  

     “ኣነ’የ ነጊረ’ያ፣” መንግስ ቅድሚ ዝኣገረ ሓበሬታ ሃበ።

     ንኣስታት ክልተ ሰዓት ሓባራዊ ዋዛን ሰሓቕን ዓሰለ። ሂሩት ክትብገስ ካብ መቓምጦኣ ሓፍ በለት። 

     “መልካም ጉዞ፣ መልካም እድል” ሒዛታ ዝነበረት ዕምባባ ናበይ ኣቕንዐት።   

     በብሓደ ምዉቕ ሰላምታ ለጊሳ ንግዳም ተዓዝረት። “ካልኣይ ግዜ ኣይክርእየኩምን’የ፣” ዝዓይነቱ መሰለ።  እጃመይ ክፋነዋ ንግዳም ተኸቲለያ ወጻእኩ።

     “ሂሩትየ በጣም ይቕርታ፣ መገሻይ ብምስጢር ክሕዞ ዝፈተንክሉ ምኽንያት ኣይተረድኣንን፣”

     “ፍርሒ’ዩ እንታይ’ሞ ካልእ ከይህልወካ፣”

     “ደሓን ድላይኪ በልዮ፣ ግና እቅሬታ ግበርለይ፣”

     ብፖለቲካ ዓለም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ኢና። ብፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያ ትሽዓተ ብሄራት ኤርትራን 82 ብሄር ብሄረሰቦች ናይ ኢትዮጵያን ደሚርካ ክንደይ ክንከውን ከምእንኽእል ኣይፈለጥኩን። ጀበርቲ’ውን ብሄር ኢና ኢሎም ምሕታቶም ኣይተረፈን። ኢሮብ’ውን ጽባሕ ምሕታቶም ኣይክተርፍን’ዩ። ካልኦት ህዝብታት እዘን ሃገራት’ውን ከምኡ።  

     ትግርኛ፣ ኣምሓራ ትግረ፣ ኦሮሞ፣ ጉራጌን ወላይታ፣ ናራ፣ ኩናማ ኣኝዋክ፣ ሲዳማን፣ ዓፈር፣ ቤጃ፣ ራሻይዳ፣ ኑዌርን ካልኦት ህዝብታትን እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት “ሓደ ኢና፣ ሓበሻ ኢና” ኢሎም ‘ዮም ዝኣምኑ ምባሉ ኣጸጋሚ’ዩ። ሓበሻ ኢና ዝብል ኣካል ክህሉ ይኽእል’ዩ። ንህዝብታት ኣኝዋክ፣ ኑዌር፣ ናራ፣ ኩናማን ሃመርን ግና ሓበሻ እንታይ ማለት ይኸውን? ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ምባሉ ኣኻሊ መስለኒ። ክልተ ጎረባብቲ ህዝብታት። 

     ኣብ ከተማ ዮሃንስበርግ ምስ ጋዜጠኛ መስፍን ካብ ዘልዓልናዮም ግና መዛዘሚ ዘይረኸብናሎም ነጥብታት ንፖለቲካ ሂሩት’ዮም ዘዘኻኽሩኒ።  

     “ለካ ሓደ ኣይኮናን፣” እምነታ ቀየረት። 

     ንዓመታት ዝሓዘቶ እምነት ብቕጽበት ከቐይራ ምኽኣለይ ኣጉሃየኒ።

     “ሂሩት’የ፣ ፈጣሪ እንተፈቒድዎ ካልኣይ ግዜ ክንራኸብ ኢና፣” ስንፍና ዝሓዘለ ፍልስፍና ኮይኑ እናተሰምዓኒ’የ ካብ ልሳነይ ፈንየዮ።

     ተራኺብና እናሃሎና ካልኣይ ግዜ ፈጣሪ መታን ከራኽበና ጎቦን መስገደልን ንፈጥረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ እንተ’ላትኒ፣ ዝምልሶ የብለይን። 

     ሂሩት ጽብቕቲ ፍጥረት፣ ብስቕታ ክትጥምተኒ’ያ መሪጻ። ፍቕርን ቁጠዐን ኣብ ፊታ ይንበብ። ኣውራ’ኳ ቁጠዐ። ተቖጢዓ’ያ። ዝባና መሊሳ ተዓዝረት። “ጠላም ፍጥረት፣” ዝብል ቂም ምሓዛ’ውን ኣይተርፍን።

     ሸሞንተ ሰዓታት ጉዕዞ ነፋሪት፣ ካብ ኣእምሮይ ኣይተኣልየትን። መፋናዊ ዘዕተረትኒ ንጽል ዕንባባ ሓቑፈ መዓርፎ ነፈርቲ ሻርል ደ ጎል ናይ ፓሪስ በጺሐ ኣለኹ። ፓሪስ ብዛሕልን በረድን’ያ ተቐባቢላትኒ። ቁሪ ይስምዓኒ ኣሎ። ቆሪረ….

     Il fait froid!!!

 

ዕባይ ኣኽርያ

22 መስከረም 2015

ፓሪስ

==================================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0