ናይጀርያ፣ “በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት’የ” እናበለት ከተታልል ዝጸንሐት ሰበይቲ ተኣሲራ

ናይጀርያ፣ “በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት’የ” እናበለት ከተታልል ዝጸንሐት ሰበይቲ ተኣሲራ

Radio Erena: 06 December 2018

buharis wifeኣብ ናይጀርያ፣ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ’የ እናበለት ከተታልል ዝጸንሐት ሰበይቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት ቢቢሲ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እታ ኣሚና መሓመድ ዝተባህለት ሰበይቲ፣ ፕረዚደንት ቡሃሪ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዘይነበርሉ እዋን ኣብ ታሕሳስ 2017፣ ናብ ፕረዚደንትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዝነብርሉ ቀጽሪ ከም በዓልቲ ቤት እቲ ፕረዚደንት ተመሲላ ድሕሪ ምእታው፣ ንሓያሎ ወነንቲ ሃብትን ነጋዶን ብምዕዳም ከምዘታተለቶም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እቲ መንበሪ፣ ብፍሉይ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ከምዝእቶ ዝሓበረ ፖሊስ ናይጀርያ ድማ፣ ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ግና ምስ ፕሮቶኮሎም ስለዘይከይድ ብዙሕ ተፍትሽን ምጽራይን ከምዘይካየደሎም’ዩ ዘመልክት።

ኣሚና መሓመድ’ውን ነዚ ሃጓፍ እዚ ተጠቒማ’ያ ናብ መንበሪ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣትያ።

ንሳ ኣብቲ መንበሪ ካብ ዝዓደመቶም ሃብታማት ነጋዶ ሓደ ዝኾነ ኣሌክሳንደር ቺካ ኦኮፎር ጥራይ ልዕሊ 400 ሽሕ ዶላር ብናይ ሓሶት ውዕል ከምዝወሰደት ጸብጻብ ፖሊስ ይጠቅስ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብታ ሃገር፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪ፣ ኣብ ለንደን፣ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ሕክምና ዝነበረሉ ድሕሪ ሙማቱ ንዕኡ ብዝመልስ ሱዳናዊ ተተኪኡ’ዩ ዝብል ወረ ክጋዋሕ ምቕናዩ ይዝከር።

እቲ ወረ ሓሶት ምዃኑን፣ ንሱ ባዕሉ ኣብ ስልጣን ከምዘሎን ፕረዚደንት ቡሃሪ ወግዓዊ መግለጺ ክህበሉ ተገዲዱ’ዩ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0