ናይጀርያ፣ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ሕነ ንምፍዳይ፣ ጎነጽ ተኻይዱ

Radio Erena: 05 September 2019

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ዚምባብዌን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ፣ ኣብ ናይጀርያ ሕነ ናይ ምፍዳይ ጎነጽ ተኻይዱ።

ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጸለምቲ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕታት ዘቖጥዖም ዜጋታት ናይጀርያ፣ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምታት ኣብ ዝወስድሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ኤምባሲኡ ንግዜኡ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ናይጀርያ፣ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣሕዋቶም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቓዕታት ብትሪ ብምኹናን፣ ዜጋታት ናይጀርያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጸዊዑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ነቲ ስጉምቲ ብምኹናን፣ ውሕስነት ዜጋታት ንምሕላው ዝከኣላ ትሰርሕ ከምዘላ፣ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

ኣብ ትሕቱ መነባብሮ ዝነበሩ ጸለምቲ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናይ ስራሕ፣ ሸቐጥን ንግድን ካልኦ ቁጠባዊ ዕድላቶም፣ በዞም ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ወጻእተኛታት ከምዝተዘምተ’ዮም ዘማርሩ።

ከም ግብረ መሲ ናይዚ ድማ፣ ብካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝውነን ትካላት ንግዲን ኣብያተ ሸቐጥን ከዕንዉን፣ ሰባት ከትቕዑን ይርኣዩ ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ መጥቕዕቲ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0