ናይታ ኣብ ኢራን ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 737 ነፋሪት፣ መንግስቲ ኢራን ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ

Radio Erena: 12 January 2020

ናይታ ኣብ ኢራን ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ንብረት መንገዲ ኣየር ዩክረይን ዝኾነት፣ ቦይንግ 737 ነፋሪት፣ መንግስቲ ኢራን ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ።

እታ ካብ ተህራን ተበጊሳ ነዊሕ ከይበረረት ህይወት 176 ሰባት ሒዛ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት፣ ምኽንያት መውደቒኣ ዝተፈላለየ ግምታት ክወሃብ እኳ እንተዘንሐ፣ ሓይሊ ኣየር ኢራን ብቀዳም 11 ጥሪ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብግጉይ ሓበሬታ ብሚሳይል ተወቒዓ ብምውዳቓ ነቲ ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ተሰኪመዮ ኣለኹ ኢሉ።

ሒደት ደቓይቕ ድሕሪ’ቲ መግለጺ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ብርጌደር ጀነራል ኣሚራሊ ሓጂዛድህ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ናይቲ ፍጻሜ ሓላፍነት ኣነ’የ ክወስዶ ዝግባ ኢሉ።

ንሱ ኣብ ቃሉ፣ ምክትታል ክሊ ኣየር ኢራን፣ ነታ ናይ ጉዕዞ ነፋሪት ከም ንወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ትበርር ዘላ ናይ ጸላኢ ነፋሪት ገይሩ ሪፖርት ስለዘመሓላለፈ፣ ብኡ ንብኡ ሚሳይል ብምውንጫፍ ከምዝተሃርመት ጠቒሱ።

መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኻመናኢ ዝሓለፈ ዓርቢ ነዚ ጸብጻብ ምስ ተቐበለ፣ ምስ ኣዘዝቲ ጸጥታ ህጹጽ ኣኼባ ኣካዪዱ፣ እቲ ሓበሬታ ንህዝቢ ብወግዒ ክንገር ከምዝኣዘዘ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ንሱ ብተወሳኺ በቲ ፍጻሜ ከምዝጎሃየ ብምግላጽ፣ ንስድራቤት ግዳያት ጽንዓት ተመንዩ።

ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ሓድሽ ወጥሪ ተሸሚመናሉ ዘለዋ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ብከቢድ ክጽለዋ ምዃነን ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0