ናብ ካናዳ ስፖንሰርሽፕ ክንገብረልኩም እናበሉ 10ታት ኣሽሓት ዶላራት ዘታልሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ንምቕራቦም ይስርሓሉ ከምዘሎ ተገሊጹ

ናብ ካናዳ ስፖንሰርሽፕ ክንገብረልኩም እናበሉ 10ታት ኣሽሓት ዶላራት ዘታልሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ንምቕራቦም ይስርሓሉ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 July 2018

Canada Immigration

ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ካናዳ ስፖንሰርሽፕ ክንገብረልኩም እናበሉ 10ታት ኣሽሓት ዶላራት ዘታልሉ ንዘለዉ ሰባት ናብ ፍርዲ ንምቕራቦም ይስርሓሉ ከምዘሎ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

ዝተፈላለዩ ግዳያት ‘ዚ ዘይሕጋዊ ናይ ካናዳ ናይ ስፖንሰርሺፕ መስርሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ምስ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣብ እስራኤል ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ፣ እቶም ከነሳልጠልኩም ዝበልዎም፣ ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ሰባት 10ታት ኣሽሓት ዶላር ምስ ተላእከሎም፣ ደሃይ ከምዝጠፍኡ ኣመልክቶም።

ይከኣሎ ስልጣን ዝተባህለ ሓደ ካብዞም ግዳያት ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ሃብቶም ኣብርሃም ቀሺ ገረየሱስ ንዝተባህለ ኣብ ካናዳ ዝነበር ሰብ ምስ ስድራቤቱ ናብ ካናዳ ስፖንሰር ከሳልጠሉ፣ 40 ሽሕ ዶላር ከምዝልኣኸሉ ብምጥቃስ፣ እቲ ውልቀ ሰብ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ምትላል፣ ብኡ ኣቢሉ ከምዝተሰወረ ይገልጽ።

ተመሳሳሊ ጸገማት ዝበጽሖም ኤርትራውያን ብወገኖም፣ ካልኦት ወገናቶም ብኸምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ናይ ስፖንሰርሺፕ መስርሕ ከይታለሉን፣ ነቶም ዘታልሉ ናብ ሕጊ ንምቕራቦም መታን ክጥዕም ከኣ ገንዘብ ኮነ መልእኽታት ኣብ ዝለዋወጥሉ ሰነዳት ክሕዙን ተላብዮም።

ነዞም ኣብ ካናዳ ስፖንሰርሺፕ ክንገብረልኩም እናበሉ ብረሃጽን ሞራልን ኣሕዋቶም ዝጻወቱ ዘሎ ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ናብ ሕጊ ንምቕራቦም ኣብ ካናዳን እስራኤልን ዝርከቡ ወከልቲ ሰልፊ ዴምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተበግሶ ወሲዶም ከምዘለዉ ሓደ ካብ ኣባላቶም ጸጋይ ተስፋይ ገሊጹ።

ክቡራት ተኸታተልቲ፣ ብዛዕባ’ዚ ዝተዳለወ ሰፊሕ መደብ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0